7 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 8 ጥቅምቲ: ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? (ዕብራውያን 13:6)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? ንብል።
ዕብራውያን 13:6
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ። እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሮሜ 8:35, 37
ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ። ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
ሉቃስ 12:4–5
ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ። ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ።
ማቴዎስ 5:10–12
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም።
ግብሪ ሃዋርያት 20:24
ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤ ኣይሓፍርንውን።
ዳዊት 119:46
ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።
ዳዊት 40:2
እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:4
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ... ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።
ማቴዎስ 16:16, 18
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ግብሪ ሃዋርያት 4:12
ልብና ተነፂግና፥ ... ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ።
ዕብራውያን 10:22–23
እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።
ያእቆብ 1:6
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ። እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና። ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ሮሜ 8:35, 37, 39
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 ጥቅ 2026
ራእይ 19:6 · ኢዮብ 42:2
5 ጥቅ 2026
ዳዊት 50:15 · ዳዊት 42:11
4 ጥቅ 2026
ዘፀኣት 34:29 · ዳዊት 115:1
3 ጥቅ 2026
ራእይ 1:5 · መሃልየ 8:7
2 ጥቅ 2026
ዘሌዋውያን 16:22 · ዳዊት 103:12
1 ጥቅ 2026
ገላትያ 5:22–23 · 1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27






