5 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 6 ጥቅምቲ: እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ (ራእይ 19:6)
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።
ራእይ 19:6
“ኵሉ ምግባር ከም እትኽእልን።
ኢዮብ 42:2
ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።
ሉቃስ 18:27
ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
ዳንኤል 4:35
ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”
ኢሳይያስ 43:13
ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ።
ማርቆስ 14:36
እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ጐይታ” በልዎ። ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም።
ማቴዎስ 9:28–29
ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ። ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ! ድማ በሎ።
ማቴዎስ 8:2–3
ኣቦ ዘለኣለም።
ኢሳይያስ 9:6
ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ።
ማቴዎስ 28:18
ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤ ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።
ዳዊት 20:7
“ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
2ይ ዜና 32:7
ኤሊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ?
1ይ ሳሙኤል 3:17
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
ሚክያስ 6:8
“ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ?
ዘዳግም 10:13
“ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። ሕዚ ግና “ፃድቕ ብእምነት ይነብር” ከም ዝብሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ኸም ዘየለ ርግፅ እዩ። ሕጊ ደኣ ንምንታይ መፀ? እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ሓጢኣት እንታይ ከም ዝኾነ ኽገልፅ፥ ዝተወሰኸ እዩ።
ገላትያ 3:10–11, 19
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤ ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ዕብራውያን 1:1–2
ተዛረብ’ በሎ ኢሉ ነገሮ።
1ይ ሳሙኤል 3:9
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 ጥቅ 2026
ዘፀኣት 34:29 · ዳዊት 115:1
3 ጥቅ 2026
ራእይ 1:5 · መሃልየ 8:7
2 ጥቅ 2026
ዘሌዋውያን 16:22 · ዳዊት 103:12
1 ጥቅ 2026
ገላትያ 5:22–23 · 1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27
30 መስ 2026
ኢዮብ 23:10 · ዳዊት 103:14
29 መስ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:16 · ኤፌሶን 3:19






