ናይ ሎሚ ጽሑፍ ብዛዕባ ክህነት ክርስቶስ ይጅምር። ኣብ እብራውያን እዚ ኻብ ምዕራፍ 4:14–16 ዚጅምር ጉዳይ እዩ፡ ክሳዕ ምዕራፍ 10:23 ኸኣ ይቕጽልን ይዓቢን።
ኣብ እብራውያን ክልተ ካህናት ኣለዉ፡ ንሳቶም ከኣ ንክህነት ክርስቶስ ከም ዓይነታት የገልግሉ፡ መልከጼዴቅን ኣሮንን። እቲ ቐዳማይ፡ ኣብ ስርዓት ክህነት ለውጢ ኺኸውን ከም ዝነበሮ ንምርኣይ ይጥቀመሉ፡ እቲ ዳሕረዋይ ከኣ ንክህነት ክርስቶስ ከም ኣብነት ኬገልግል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ እዩ፡ ከምቲ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳብ፡ ኣብ መዓልቲ ምትዕርራይ፡ ናብ ቅድስተ-ቅዱሳን ድንኳን ዝኣተወ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሔር የሱስ ኣብ ሰማያት ሓለፈ። ግናኸ ፍልልይ እውን ኣሎ፡ ኣሮን እዚ ኹሉ ዓመት ይገብሮ ነበረ፡ ክርስቶስ ግና ሓንሳብ ጥራይ—ዝተፈጸመ ዕዮ! እግዚኣብሔር የሱስ ኣብዚ ዓብዪ ሊቀ-ካህናት ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሊቀ-ካህናት—ኣሮን ወይ ዘርኡ—ሓደ እኳ “ዓብዪ” ተባሂሉ ኣይተጸውዐን፡ እግዚኣብሔር የሱስ ጥራይ።
ካልእ ነገር ኣብዚ፡ እዚ ዓብዪ ሊቀ-ካህናት ምሕረተኛ ኸም ዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ፤ ንሱ ምስናና ኺድንግጽ ይኽእል እዩ! ብርግጽ ንሓጢኣትና ኺድንግጽ ኣይክእልን እዩ፡ ግናኸ ምስ ኹሉ ፈተናታትናን ሽግራትናን ኣብዚ ምድረበዳ ዓለም። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ግዜኣዊ ሓገዝ” ይህበና። እዚ ማለት ብግዜኡ ዚመጽእ ሓገዝ ማለት እዩ። ንዘይመጹ ፈተናታት ሓገዝ ኣይንቕበልን ኢና፡ ግናኸ ከም ዘድልየና። ክንደይና ኢና ኣብ ሽግራትና ቓል ምጽንናዕ ኣዝዩ ምስ ኣድለየና ብግዜኡ ከም ዝመጸ ዘይንዝክር!




