ዕለታዊ ብርሃን, 5 ጥቅምቲ: ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ (ዳዊት 50:15)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።

ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።

እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤ እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።

ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።

ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ... ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።

ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ።

እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ። እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ። ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ። ሽዑ ኣነ፦ “ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና” ኢለ።

“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ።

እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ። እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።

ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ። ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።

ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።

ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! ... ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።