10 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 11 ጥቅምቲ: ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ዝረድአኒውን የለንሞ (ዳዊት 22:11)
ዕለታዊ ብርሃን
ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ዝረድአኒውን የለንሞ።
ዳዊት 22:11
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል? ክሳዕ መኣዝ እየኸ ብነፍሰይ ዝጭነቕ? ክሳዕ መኣዝከ እየ ዅልሻዕ ዝሓዝን?
ዳዊት 13:1–2
ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
ዳዊት 27:9
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ዳዊት 91:15
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ። ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።
ዳዊት 145:18–19
“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።
ዮሃንስ 14:18
ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ማቴዎስ 28:20
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
ዳዊት 46:1
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
ዳዊት 62:1
ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።
ዳዊት 62:5
ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ።
ማቴዎስ 6:9
“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ።
ዘፀኣት 34:14
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ዘፀኣት 15:11
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ራእይ 4:8
ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ስገዱሉ።
1ይ ዜና 16:29
ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ... ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ። ሽዑ ድማ ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ።
ኢሳይያስ 6:1–3, 5
ምስማዕስ ብሰማዒት እዝኒ ሰሚዐ ነይረ፤ ሕዚ ግና ዓይነይ ሪኣትካ። ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ።
ኢዮብ 42:5–6
ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:7
ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።
ዕብራውያን 12:10
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ።
ዕብራውያን 10:19, 22
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 ጥቅ 2026
ነህምያ 9:17 · 2ይ ጴጥሮስ 3:9
8 ጥቅ 2026
ዕብራውያን 13:6 · ሮሜ 8:35
7 ጥቅ 2026
ዳዊት 25:9 · ማቴዎስ 5:5
6 ጥቅ 2026
ራእይ 19:6 · ኢዮብ 42:2
5 ጥቅ 2026
ዳዊት 50:15 · ዳዊት 42:11
4 ጥቅ 2026
ዘፀኣት 34:29 · ዳዊት 115:1






