12 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ጥቅምቲ: ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ (ዳንኤል 10:12)
ዕለታዊ ብርሃን
ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ።
ዳንኤል 10:12
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ኢሳይያስ 57:15
መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።
ዳዊት 51:17
እግዚኣብሄር ልዑል እዩሞ፥ ነቶም ትሑታን ይምልከቶም እዩሞ፥ ንትዕቢተኛታትውን ካብ ርሑቕ ይፈልጦም።
ዳዊት 138:6
ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።
1ይ ጴጥሮስ 5:6
ፀጋ ይህቦም ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ። እምበኣርከስ ንእግዚኣብሄር ተገዝእዎ።
ያእቆብ 4:6–7
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ኣድምፅ፤ ድምፂ ልመናይውን ስማዕ። ንስኻ ትምልሰለይ ኢኻ እሞ፥ ብመዓልቲ መከራይ ክፅውዐካ እየ።
ዳዊት 86:5–7
ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
ማቴዎስ 6:10
ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።
ኤፌሶን 5:17
ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ኣይኮነን።
ማቴዎስ 18:14
ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:3
እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።
1ይ ጴጥሮስ 4:2
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ... ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን።
ያእቆብ 1:18, 21
ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 1:16
ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ። “ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም።
ማርቆስ 3:34–35
“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል። ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን።
ማቴዎስ 7:24–25
ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 2:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ጥቅ 2026
ዳዊት 22:11 · ዳዊት 13:1–2
10 ጥቅ 2026
ኤፌሶን 3:15 · ኤፌሶን 4:6
9 ጥቅ 2026
ነህምያ 9:17 · 2ይ ጴጥሮስ 3:9
8 ጥቅ 2026
ዕብራውያን 13:6 · ሮሜ 8:35
7 ጥቅ 2026
ዳዊት 25:9 · ማቴዎስ 5:5
6 ጥቅ 2026
ራእይ 19:6 · ኢዮብ 42:2






