ዕለታዊ ብርሃን, 22 ጥቅምቲ: እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ (ዳዊት 27:1)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ኦ ጐይታ፥ ልበይ ፅኑዕ እዩ።

እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?

በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።

ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ። ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ልቡ ተባዕ እዩ፤ ኣይፈርሕን።

ኣነ ግና ፈራሕኹ ብኣኻውን ተኣመንኩ።

ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤ ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤ ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ። እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥ ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤ ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።

ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ። ንእኡ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን።

እግዚኣብሄር ንዙፋኑ ኣብ ሰማይ ኣዳለወ፤ መንግስቱውን ንዅሉ ይገዝእ።

ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?

“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ የለን። ንስኻ እንተ ዘይፈለጥካኒ እኳ፥ ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ። እዙይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣነ ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዘኣይ ከዓ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፥ ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ። ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።

እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?

ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።

“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ