1 ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ። 2 ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ። 3 ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ። 4 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ።
5 ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም።
6 እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ። 7 ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥ 8 ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ። 9 እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
10 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 11 “ፊንሓስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ንቝጥዓይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፤ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ከምቲ ኣነ ቐናእ ዝኾንክዎ ንኽብረይ ቀናእ ስለ ዝኾነ፥ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእኽዎምን። 12 ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13 ንኣምላኹ ቐኒኡ እዩሞ፥ ንደቂ እስራኤልውን ኣተዓሪቑዎም እዩ እሞ፥ ንእኡ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ቃል ኪዳን ክህነት ክኾነሉ እዩ።”
14 ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ። 15 ስም እታ ዝተቐትለት ሚድያማዊት ሰበይቲ ኸዓ ከስቢ ነበረ፤ ንሳውን ጓል ሱር ነበረት። ሱር ኣብ ምድያም ናይ ሓደ ማይ ቤት ሹም ነበረ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 17 “ንምድያማውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፤ 18 ኣብ ፌጎር ጠቢሮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ፥ ብምኽንያት ከስቢ ሓፍቶም፥ ጓል ሹም ሚድያም፥ በታ ኣብ ፌጎር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ ዝተቐትለትውን፥ ኣታሊሎም ናብ ጭንቂ ኣእትዮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ።”
1 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦ 2 ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግስትኻን፥ ነቶም ክፉኣት ሰባትውን፥ ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን፥ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ግና ዘይኮኑ፥ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን፥ እፈልጥ እየ። 3 ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ። 4 ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝሓደግካያ፥ ዝነቕፈካ ኣለኒ። 5 እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ። 6 ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ።
7 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’
8 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 9 መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ። 10 ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
11 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’
12 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 13 ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን። 14 እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ። 15 ከምኡውን፥ ንትምህርቲ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ሰባት ኣለዉኻ። 16 ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።
17 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’
18 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 19 ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግስትኻን፥ ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ግብርኻ ኸም ዝበዝሕ፥ እፈልጥ እየ። 20 ግና ነታ “ነቢይት እየ” እናበለት፥ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ኽበልዑ እትምህሮምን፥ እተስሕቶምን ዘላ፥ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ፥ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ፥ እነቕፈካ ኣለኹ። 21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22 ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ፥ ክድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ፥ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ። 23 ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።
24 “ ‘ንኣኻትኩም ኣቱም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና፥ ኵልኻትኩም ነዝ ትምህርቲ እዙይ ዘይትኽተሉ፥ ነቲ ንሳቶም “ዓሚቝ ምስጢር ሰይጣን” ዝብልዎ ዘይተምሃርኩም፥ ካልእ ፆር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ። 25 ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ። 26-27 ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ። 28 ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ።
29 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’
1 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ። 2 ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም። 3 ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ። 4 ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም። 5 እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’
6 “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።”
7 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 8 ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ። 9 እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ። 10 ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ። 11 ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ። 12 ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’
13 “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”
14 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦
“ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
15 “ ‘ዝሑል ወይ ምዉቕ ዘይምዃንካ፥ ግብርኻ እፈልጦ እየ፤ ኣበይሞ ዝሑል ወይ ምዉቕ ከም ኮንካ! 16 ልህብ ዝበለ ስለ ዝኾንካ፥ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፥ ካብ ኣፈይ ክተፍአካ እየ። 17 “ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ። 18 ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ። 19 ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ። 20 እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ። 21 ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’
22 “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”
ዘሑልቍ 25 · ራእይ 2 · ራእይ 3 · ትመ15
ኣብ ዘመን ጸጋ ኢና ንነብር ዘሎና፣ በዚ ኸኣ ከምቲ ፊንሃስ ዝገበሮ ዓይነት ተግባር ኣይተጸዋዕናን። ግናኸ ካብዛ ዛንታ እዚኣ ክንመሃሮ እንኽእል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሎሚ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ወለዶና ኣብ መንጎ እቶም ዝኣመኑ ህዝቢ ኣምላኽ ንኽፉእ ምቅዋም ይኣብዩ። ንሳቶም ነቶም ብፍቕሪ ጐይታን ንህዝቡን ዝቐውሙ ከም «ወርዋሪታት ጦር» ይኹንኑ። ጸጋ ንሓቂ ይሕሉ: እቶም ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ ክሰምዑ ዝደልዩ፣ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብርሃንን ፍቕርን ምዃኑ ኺፈልጡ ይሓስሩ።
ብተወሳኺ፣ ንመወዳእታ ጉዕዞ ክንርኢ ኣሎና። ዘሕዝን እዩ፣ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ክኸውን ከሎ፣ ሰባት ይድኽሙን ኪሓድጉ ድማ ፍቑራት ይዀኑ። ዘሁልቊ 25 ንሓደጋ ናይ ቅዱስ ምፍልላይ ምሕዳግ የርእየና። ጐይታ ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ይደልየና። ንሱ ከይንሓድግን ከይንደራደርን የበርትዓና። ከም ሰብ ኣምላኽ፣ ፊንሃስ ምስ ታቦት ኣምላኽን ምስ ቅዱሳት ኣቕሓታትን ተተሓሒዙ ነይሩ። ፍልጠቱ ብዛዕባ ክብሪ ኣምላኽ ብውሳነ ኺዓዪ ኣኽኣሎ።
እስራኤል ኣብ ጉዕዞ በረኻኦም ንቕድስና ኣምላኽ ዝኸውን እንታይ ምዃኑ ኺመሃሩ ፈሺሎም ነይሮም። እቲ ኣብ ዘሁልቊ 25 ተገሊጹ ዘሎ ዘሕዝን ዛንታ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኸምቲ ጐይታ ኣብ ራእይ 2ን 3ን ዝገልጾ ታሪኽ እታ ዝኣመነት ቤተ ክርስትያን ኣይመስልን ድዩ? እዚ ኣብ ውልቃዊ ህይወትና እውን ኪኸውን ኣይክእልን ድዩ? ንቕድስናኡ ኽንፈልጥን ከምቲ ፊንሃስ ዝገበሮ ብተደጋጋሚ ኽንዓይን ንመሃር፣ ሓጢኣት ድሕሪ ሕጂ ዘይረክስሉ መዓልቲ እናተጸበና።