ኣውራግ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከመይን ኣበይን ከም ዝተጠቕሰ ክንምርምር ንፈቱ። ኣውራግ ተባዕታይ በጊዕ እዩ፡ ብዙሕ ግዜ ዓበይቲ ቐርኒ ኣለዎ። ኣውራግ ብዛዕባ ሓይሊ ይዛረብ፡ እቲ ዕብራይስጢ ቃል ድማ ሓድሓደ ግዜ “ሓያል” ተባሂሉ ይትርጎም።
ኵሎም እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመስዋእቲ ዝተጠቕሙ እንስሳታት ብዛዕባ ክርስቶስን ስርሑን ኬምህሩና ዝኽእሉ ነገር ኣለዎም። ናይ ሎሚ ፍቕዲ፡ ኣብኡ ንኣውራግ ንመጀመርታ ግዜ ንረኽቦ፡ ክርስቶስ “ንምድሓን ሓያል” ከም ዝኾነ የርእየና። ኣብዚ ኣብራም ኣውራግን ካልኦት እንስሳታትን ብመምርሒ የሆዋ ከምጽእ ነበሮ። ሽዑ የሆዋ ነታ ምድሪ ኺህቦ ቃል ኣተወሉ። ኣብራም፡ “ከመይ ጌረ ኸም ዝወርስ ክፈልጥ እየ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሕቶ ኣብራም መልሲ ንምሃብ፡ የሆዋ ምስኡ ኪዳን ኣተወ። ብኣውራግን ብኻልኦት እንስሳታትን፡ እቲ ቃል ኪዳንን ኪዳንን ንኣብራም ተረጋግጸ። እቶም ሰለስቲኦም እንስሳታት ምድሪ ዅሎም ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ዝነበሩ ኣስተብህል። እዚ ብወገን ኣምላኽ ምሉእ ምስክርነት ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ዝሞተ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኻብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ’ውን ምስክርነት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብራም ድቃስ ከሎ፡ የሆዋ በቲ ኣብ መንጎ እቲ ስጋታት እንስሳታት ብምሕላፍ ነዚ ኪዳን እዚ ምስኡ ከም ዘረጋገጸ’ውን ንርኢ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ብዘይ ቅድመ-ኲነት ዝተገብረ ኪዳንን ቃል ኪዳንን እዩ ነይሩ፡ ብወገን ኣብራም ምንም ኣየድለየን።
ኣብዚ ንኣውራግ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ብሞት እቲ ኣውራግ ዝተረጋገጸ ቃል ኪዳንን ኪዳንን፡ ስእሊ ሞት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንርኢ። “ኵሉ እቲ ቃል ኪዳን ኣምላኽሲ ብእኡ እወ እዩ፡ ብእኡ ድማ ኣሜን እዩ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ብኣና” (2 ቈረ. 1:20)። ኵሉ ንኣምላኽን ንኣናን ብፍቑር መድሓኒና፡ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ተረጋጊጹ እዩ።




