እዮብ ከምቲ ኣብ ህይወት ኵሉ ምእመን ሓቂ ዝኾነ፡ ዕዮ ጥበብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ግናኸ እዮብ ብቐሊሉ ዘይተማህሮ ትምህርቲ ነይሩ። ብሓቂ ኸኣ፡ እዮብ ቅኑዕ ባህሪ ነበሮ፡ ንዓብይነት ኣምላኽ ከኣ ብሓቂ ይፈርሆ ነይሩ። ከምኡ’ውን፡ ኣካይዳኡ ምስ ካልኦት ዚምስገን ነይሩ። ብመንፈሳዊ መዳይ፡ እዮብ ሒደት ጥራይ ኪመሃር ነይሩዎ።
ሕጂ ኣምላኽ ንሳጥናኤል ናብዚ ኣብነታዊ ባህሪ እዚ ኣቓልቦኡ ስሒቡ፡ ሳጥናኤል ከኣ ብኣምላኽ ተፈቒዱሉ ንእዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቕ ጸገማት ኣምጽኣሉ፡ እዚ ኸኣ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ዜንቀጥቅጥ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነገራት ንምብኣስ፡ ኣዕሩኽ እዮብ፡ ኣብ ክንዲ ዜተባብዕዎ፡ ብሕቡእ ሓጢኣት ከም ዝገበረ ገበን ኣቕረቡሉ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መከራ ኺፈቕድ ካልእ ምኽንያት ኪሓስቡ ኣይከኣሉን። እዮብ ነቲ ዘይቅኑዕ ነቐፌታኦም ብመርርነት ተቓወመ፡ ኣምላኽ ነዚ ዓቢ ፈተና እዚ ብዘይቅኑዕ ከም ዝፈቐዶ ኺሓስብ ከኣ ዘንበለ። በዚ ኸኣ፡ እቲ ውሽጣዊ ሓሳባት ልቢ እዮብ ተቓልዐ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ብቐጥታ ተዛረቦ፡ ከምኡ’ውን ንእዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ራእይ ናይ ዓብይነት ኣምላኽ ሃቦ፡ እዮብ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ብትሕትና ወደቐ። ሕጂ እዮብ ነቲ ዓቢ ሓጢኣት ልቡን ነቲ ዝተፈላለየ ዓብይነት ክብሪ ኣምላኽን ተገንዘበ። ድሕሪኡ፡ ምስ ኣዕሩኹ ኣብ ክንዲ ዚከራኸር፡ ምእንትኦም ጸለየ፡ ኣምላኽ ከኣ ነገራት ብምልኡ ለወጠ። እቲ ናይ እዮብ መከራን ሓዘንን ኣብ ማእከል ዓቢ ጸገም፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዕጽፊ በረኸት ተለወጠ።
እዚ ኸኣ እቲ ዓቢ መንፈሳዊ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ምእመን እዩ፡ ልቢ ንእሙን ኢዱ ምስ ዝግዛእ። ንጐይታ የሱስ ልዕል ዝበለ ክብሪ ምስ ተዋህቦ፡ ልቢ ኸኣ ምእንቲ ካልኦት ብጸሎት ምስ ዝሰፍሕ፡ ሽዑ ንሕና ንትሕትና ንግዛእ፡ ግናኸ ብዘይገደብ ንባረኽ። “ንሱ ኺዓቢ ኣነ ኸኣ ክንኪ ይግባኣኒ” (ዮሃንስ 3:30) ምምሃር በረኸትን ሓጐስን ክንረክብ ንኽእል ኢና።




