ሃዋርያ ጳውሎስ ንቆሎሴ ኺበጽሕ ዕድል ኣይረኸበን ይኸውን። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ብዛዕባ ኣብኡ ዝነበረ ዕዮ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ናብ የሱስ ክርስቶስ ብእምነት ዝመጹ ሰባት ሰምዐ። እዚ ወዲኡ ኣብኡ ሓደ ነገር ኣበገሰ፡ ካብቲ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፡ ንዞም መንእሰያት ክርስትያናት ኪጽሊ ጀመረ፡ ካብ ሽዑ ኸኣ ኣየቋረጸን።
ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና፡ ብእምነት ብክርስቶስ ምስ ዝተዋሃድና ዅሉ ሰብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና፡ ንኣብነት፡ ብውልቂ ንፈልጦም ሰባት፡ ብወረ ጥራይ ንፈልጦም ሰባት፡ ኣብ ህይወት እምነት ጽቡቕ ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት፡ ዝተሰናኸሉ ሰባት፡ ሓጃቶም ንጹር ዝኾነ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ኩነታቶም ብግቡእ ዘይንፈልጦም ሰባት።
ጸሎት ጳውሎስ ንቆሎሴያውያን፡ ከምቲ ጸሎትና ሓድሓደ ግዜ ዝኸውን፡ ዓለማዊን ዘይተወሰነን ኣይኮነን፡ የግዳስ ፍሉይ ዕላማ ኣለዎ፡ ብፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ኪመልኡ። ነዚ ምኽንያት ኣለዎ፡ ሓደ ስምዒት መንፈሳዊ ጉድለት ኣብ መንጎኦም ሰሪጹ ነይሩ። ሕማቕ ድራኸ ዘለዎም ሰባት ነዚ ኣስተውዒሎም፡ ነዚ ዝተሰምዐ “ባዶነት” ንምምላእ ይፍትኑ። ገሊኦም ንዚ ዕላማ እዚ ገለ ገጽ ኣረማውያን ፍልስፍናታት የቕርቡ፡ ገሊኦም ከኣ ክፍሊታት ናይ ጥንታዊ ኣይሁዳዊ ኣምልኾ የቕርቡ። እቲ ቐዳማይ ብምሉኡ ጌጋ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሕጂ ብፍቓድ ኣምላኽ ኣይሰርሕን።
ጳውሎስ ንቆሎሴያውያን ብቐዳምነት ኣይገሰጾምን። የግዳስ፡ ንደቁ ብፍልጠት ጽቡቕ ፍቓዱ ኺመልኦም ንኣምላኽ ይሓትት፡ በዚ ኸኣ ንጽባቐን ንተግባራዊ ኣገዳስነትን ናይቲ ፍቓድ ኪርድኡ። ንምምላእ—እዚ እዩ ዝደለይዎ—ብ“ፍልጠት ፍቓዱ ንምምላእ”! እዚ ነቲ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኪድፍኦ፡ ነቲ ስምዒት ጉድለት ከኣ ናብ ሓጎስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሃብቶም ኪቕይሮ እዩ። እዚ “ናይ ጳውሎስ ቀመር”፡ እዚ ኣገልግሎት ጸሎት፡ ንብዙሓት ሓቀኛታት ወይ ዝተሓሰቡ ጉድለታት ንምስዓር ኣይሕግዘናን ድዩ፧




