ምሕላው ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ከምቲ ሰብ ንወዱ ዚጾሮ ኺጾሮም ጥራይ ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ ከምቲ ሰብ ንወዱ ዚገስጾ ኺገስጾም እውን ማለት እዩ። ኣምላኽ ኣቦና ኸም ዚገስጸና፡ ፍቑራት ደቁ ምዃንና የርኢ፡ “ወዲ፡ ንተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትሕቀሮ … እግዚኣብሄር ንዚፈትዎ ይገስጾ፡ ንዝቕበሎ ወዲ ዅሉ ድማ ይገርፎ እዩ እሞ” (እብ. 12:5–6)። “ግናኸ ዅሎም ዝተኻፈሉዎ ተግሳጽ እንተ ዘይብልኩም፡ ሽዑ ጓኖት እምበር፡ ደቅኹም ኣይኮንኩምን” (ቊ. 8)።
እቲ ቓል ተግሳጽ፡ ንቕጽዓት ጥራይ ወይ ከኣ ብቐዳምነት ንቕጽዓት ኣይጠቅስን፡ የግዳስ ኣምላኽ ንምምሃርና፡ ንነፍስና ንምምላስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህይወትና ንምስራሕ ዚገብሮ ዅሉ የጠቓልል።
ብሓፈሻ ኽንዛረብ ከሎና፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብተግሳጽ ኪዳህየና ኸሎ፡ ክልተ ሓደጋታት ኣለዉ። ክልቲኦም ኣብዚ ተጠቒሶም ኣለዉ፡ “ንኣኻትኩም ከም ደቅኹም ዚዛረብ ምዕዶ ድማ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም፡ ‘ወዲ፡ ንተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትሕቀሮ፡ ብእኡ ኸኣ ምስ ተገሰጽካ ኣይትሕለቕ’” (ቊ. 5)። ሓደ ሓደጋ፡ ንተግሳጽ ምሕቃር ወይ ብቐሊሉ ምርኣይ እዩ፡ ከምኡ ኸኣ ፍሉይ ነገር ከም ዘይፍጠር ምሕሳብ እዩ። ኣምላኽ እንታይ ኬምህረኒ ኸም ዚደሊ ኣይሓትትን፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ኺዳህየኒ ኸሎ፡ ንጥበቡ እጠራጠር። እቲ ኻልእ ሓደጋ፡ ኣብ ትሕቲ ተግሳጽ ምሕላቕ፡ ምድኻም ወይ ምጕሂ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ድኹም ምዃኑ የርኢ። ኣምላኽ ከምቲ ሰብ ንወዱ ዚገስጾ ኸም ዚዳህየና ምስ እንሓስብ፡ ካብ ክልቲኡ ሓደጋታት ክንሕሎ ንኽእል ኢና።




