ቅድሚ ሕጂ፡ ኣቢጋይል ንሰብኣያ ብግህዶ ኸም በዳልን ዓሻን እንተ ጸዊዓቶ፡ ክሳዕ ክንደይ ጽዑቕ ሓሳብ ከም ዝነበራ ተመያይጥና ኢና። ከም በዳሊ፡ ባህርይ ናባል ብልሹው ነበረ፡ ብሓቂ ድማ “ወዲ ቤልያል” ነበረ። ከም ዓሻ፡ ብንግድን ኣብ ገዛን ምንም ናይ ኣምላኽ ጥበብ ኣይነበሮን። ኣቢጋይል ብርግጽ በዳሊት ወይ ዓሻ ኣይነበረትን፡ እዚ ዘይማዕር ዝምድናኦም ድማ ናብ ባእሲ ጥራይ መርሐ።
ብዛዕባ ናይ ኣቢጋይል ቀዳማይ መዓልታት መርዓኣ ምንም ኣይንፈልጥን ኢና። ምናልባት ናባል ሓደ እዋን ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ነይሩ ይኸውን እሞ ጸኒሑ ጥራይ ብልሹው ኮይኑ ይኸውን፤ ወይ ምናልባት ኣቢጋይል ሓድሽ ብጥበብን ጸጋን ኣምላኽ ተመሲጣ ትኸውን። ከመይ እውን ይኹን፡ እቲ ናይ ዘይማዕር ዝምድናኦም ሽግራት ግልጺ እዩ፡ ንኹሎም ምስ ዘይኣምን ሰብ ንምምርዓው ዚሓስቡ መጠንቀቕታ እዩ። ሓድሽ ኪዳን “ምስ ዘይኣምኑ ብዘይማዕር ኣርዑት ኣይትተኣስሩ” (2 ቈረ. 6:14) ኢሉ ዚዕድም ዘሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ንመርዓ ጥራይ ኣይኮነን ዚምልከት፡ ግናኸ እቲ መሪር ፍረኡ ኣብቲ ዝምድና ተጠቒሙ ይኸውን። እቲ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ መርዓ እውን ሽግራት ኣለዎ—ግናኸ ሓደ ክርስትያን ንጹር መጠንቀቕታ ኣምላኽ እንተ ዘይተኣዘዘ እሞ ንዘይኣምን እንተ ተመርዓወ፡ ሓዘንን ጭንቀትን እንተ ኮይኑ ኣይገርምን እዩ።
ንስኻ እቲ ናይ ቀረባ ዓርክኻ፡ እኳ ደኣ ዘይኣምን እንተኾነ፡ ጽቡቕ መርዓዊ ኪኸውን ዚኽእል ጽቡቕ ሰብ እዩ ኢልካ ትኣምን ትኸውን። ብሓቂ ግና፡ ንሓደ ግጉይ ሰብ እንተ ተመርዒኻ፡ ኣብ መርዓኻ ካብቲ ንበይንኻ ዝነበርካሉ እዋን ንላዕሊ በይንኻ ኸም ዝኾንካ ኺስምዓካ እዩ። ንእግዚኣብሔር ብዘይ ፍቓዱ ብምምርዓው እሞ ንሱ ንሰብኣይካ ወይ ንሰበይትኻ ኼድሕኖ ኸም ዝጽበኻ ኣይትፈትኖ። እቲ ናይ ኣቢጋይል ቃልሲን ሓዘንን መምርሒ ይኹነካ፡ ንኹሉ ዝምድናታትካ ንእግዚኣብሔር ክትእምን ከለኻ።

