እሞ መንፈሳዊ ትርጉም ፍረኸ እንታይ እዩ? ፍረ ማለት ክርስቶስ ኣብቲ ምእመን ዝግለጸሉ መገዲ እዩ ኽንብል ኣይንኽእልን ዲና? ኣብ ገላትያ 5:22-23 ከምዚ ኢሉ ንኸንብብ፡ “ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግስቲ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ምግታእ ርእሲ እዩ።” እዚ ግና እንታይ እዩ? ክርስቶስ ኣብዛ ዓለም ብትሕትና ኽሓልፍ ከሎ ዝነበሮ ጽቡቕ መግለጺ እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍረ ኣብ ምእመናን እንተ ተራእዩ፡ ክርስቶስ ኣብ ህዝቡ እንደገና ኺምስረት እዩ። ክርስቶስ ብኣካል ካብዛ ቦታ እዚኣ ኸይዱ እዩ፡ ግናኸ ክርስቶስ ብባህርዩ ኣብቶም ናይ ክርስቶስ ዝዀኑ ኺርአ ምዃኑ ዕላማ ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ ብኣካል ናብ ቤት ኣቦ ኸይዱ እዩ፡ ክርስቶስ ብባህርዩ ኣብ ምድሪ ኣብ ህዝቡ ይቕጽል ኣሎ።
ፍረ ልክዕ ከም ምጥቃም ውህበት፡ ወይ ኣገልግሎት፡ ወይ ዕዮ ኣይኰነን። “ብዅሉ ጽቡቕ ግብሪ ፍረ እናሃብኩም፡ ንእግዚኣብሔር ብዅሉ እናተሓጐስኩም፡ ብቑዕ ብዝዀነ መገዲ ኽትመላለሱ” (ቈሎሴ 1:10) ኸም ዝብል ተመኺርና ኢና። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ፍረ ምፍራይ ምስ ጽቡቕ ግብሪ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝተኣሳሰር ዜርኢ ኽነሱ፡ ግናኸ ብንጹር ይፈላለዮም። እቲ ጽቡቕ ግብሪ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ክርስቶሳዊ መገዲ ኺግበር ኣለዎ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ንሰብ ዚጠቅም ዕዮ፡ ንኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ፍረ ኺርከብ እዩ። እቲ ስጋዊ ሰብ ብዙሕ ጽቡቕ ግብሪ ኺገብር ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ንኣምላኽ ዚኸውን ፍረ ኣይርከብን እዩ። ኣገልግሎትን ዕዮን ፍረ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ብዓብዪኡ ኣብቶም ውህበትን ክእለትን ዘለዎም ጥራይ ምተወሰነ ነይሩ፡ ግናኸ ፍረ ባህርይ ክርስቶስ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ ንዅሉ ምእመን፡ ካብቲ ዝዓበየ ኽሳዕ እቲ ዝንእሰ፡ ፍረ ኺፈሪ ይከኣል እዩ፡ ከምኡውን ፍሉይ መሰል እዩ።
ንክርስቶስ ዚፈቅር፡ ንፍጽምና እቲ ብዅሉ ጽቡቕ ዝዀነ ዜደንቕከ መን እዩ፡ ገለ ኽፋል ጸጋታቱ ኸየግለጽ፡ በዚ ኸኣ ፍረ ኸየፍሪ ዘይደሊ?




