16 ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ። 17 ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል? 18 ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር።
3 ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ። 4 ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።
5 ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
6 ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥
ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥
ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን።
7 እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥
መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥
ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።
8 ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥
ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።
9 ስለዙይ እግዚኣብሄር፥
ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤
ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።
10 ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥
ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥
ምእንቲ ኽምብርከኽ፥
11 ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥
ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥
ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
1ይ ዮሃንስ 3:16–18 · ፊልጵስዩስ 2:3–4 · ፊልጵስዩስ 2:5–11 · ትመ15
ናብ ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ሓደ ሰብ ሓዳር ምስ ወዶም ኰይኖም ኣብ ሆስፒታላት ናይቲ ርእሲ ኸተማ ንጐይታ ዜገልግሉ ጸኒሖምና። ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ናይቲ ሆስፒታል፡ እንተላይ ኣብቲ ሓደገኛ ዝዀነ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዚሕከምሉ ዝነበረ ቦታ፡ ጽሑፋት ወንጌል ይዝርግሑ ነበሩ። ነቶም ብሓቂ ኣብ መወዳእታ ዘመኖም ዝነበሩ ሰባት ብስጋዊን መንፈሳዊን መገዲ ኼገልግሉ ብዙሕ ዕድላት ረኺቦም ነበሩ፣ ብዙሓት ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ኣካላት ንምውጻእ ይሕግዙ ነበሩ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ነዞም ዚመውቱ ዝነበሩ ሕሙማት ከምኡ’ውን ነቶም ኣገልግሎቶም ዜደንቖም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ወንጌል ኪሰብኩሎም ብዙሕ ዕድላት ሃቦም። ብፍቓድ ጐይታ፡ እቲ ወዲ፡ ኣብ ዕስራታት ዕድሚኡ ዝነበረ መንእሰይ፡ ናብ ጐይታኡ ተወስደ—እዚ መንእሰይ እዚ ብሩህ ምስክርነት ነበረ። እቶም ወለዲ ኣገልግሎቶም ንጐይታ፡ ንኻልኦት፡ ንኣመንትን ንዘይኣመንትን ብሓደ ዜገልግሉ ኣለዉ።
ህይወትና ምእንቲ ኣሕዋትና ምውፋይ ክንደይ ጸቢብ ጌርና ኸም እንርድኦን ከም እንፍጽሞን! ፊልጲ 2:5–11፡ ንጐይታ ፍጹም ኣብነትና ጌሩ ዜቕርብ፡ ብዙሕ ግዜ ነንብቦ ኢና፣ ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ቅድሚኡ ዘለዉ ፍቕድታት ንሓልፎም ኢና፦ «ሓንቲ እኳ ብምፍጣጥ ወይስ ብኸንቱ ትዕቢት ኣይትግበሩ፡ የግዳስ ብትሕትና ነፍሲ ወከፍኩም ንብጻዩ ኻብ ርእሱ ኸም ዚበልጽ ይቘጽሮ። ነፍሲ ወከፍኩም ናይ ርእሱ ጥራይ ኣይተስተብህል፡ ናይ ካልኦት እውን ደኣ እምበር» (ፍ. 3–4)።
እዚ ኣብ ዝምድና መርዓና ንፍጽሞዶ ኢና፧ ኣብ ማሕበር፡ ንኻልኦት ብምሕላፍ፡ ብምኽባር፡ ብምግዛእ፡ ከምኡ’ውን ብምምስጋን ንገብሮዶ ኢና፧ ብዙሓት ፍቕድታት ብልብና ንፈልጦም ኢና፡ ግናኸ ብልብና ንፈልጦምዶ ኢና፧ ብግብሪን ብሓቅን ንፋቐር!