1 ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ። 2 ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን። 3 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ። 4 ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።
5 ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።
6 ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ። 7 ከምዙይ ኢለን እናደረፋ ድማ ተቐበላኦ፦
“ሳኦል ሽሕ፥
ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ።”
8 ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ። 9 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ።
10 ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ። 11 “ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።
12 እግዚኣብሄር ካብኡ ርሒቑ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ። 13 ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። 14 ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ። 15 ዳዊት የመና መስተውዓሊ ኸም ዝኾነ ሪኡ ሳኦል ፈርሖ። 16 ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ግና፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ይወፅእን ይኣቱን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት ፈተውዎ።
17 ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ።
18 ዳዊት ድማ ንሳኦል “ሓሙ እቲ ንጉስ ዝኸውንስ ኣነ መን እየ? ህይወተይከ እንታይ እያ? ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ?” በሎ። 19 ግና ሜራብ ጓል ሳኦል፥ በታ ንዳዊት ክትወሃብ ዝተሓስበትላ ጊዜ፥ ንዓድርኤል ነቲ መሖላታዊ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ተውሃበት።
20 ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ። 21 ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
22 ሳኦል ከዓ ነቶም ሓሻኽሩ “እንሆ፥ ንጉስ ብኣኻ ደስ ኢልዎ ኣሎ፤ ኵሎም ሓሻኽሩ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፤ ሕዚ ኸዓ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ኩን ኢልኩም ንዳዊት ብምስጢር ተዛረብዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
23 እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም።
24 እቶም ሓሻኽር ሳኦል ከዓ ዳዊት ከምዙይ ከም ዝበለ ንሳኦል ነገርዎ። 25 ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም።
26 እቶም ኣገልገልቲ ሳኦል ድማ እዝ ዘረባዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ሽዑ ዳዊት ሰብኣይ ጓል ንጉስ ክኸውን ተሓጐሰ። ገና እተን መዓልቲታት እንተይኣኸላ ድማ፥ 27 ዳዊት ምስቶም ሰዓብቱ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፥ እቲ ቝልፈቶም ቈሪፁ ኣምፅአ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ምሉእ ቍፅሪ ገይሩ ሃቦ። ሳኦል ድማ ጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
28 ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥ 29 ንዳዊት የመና ፈርሖ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ፀላኢ ዳዊት ኮነ።
30 ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።
1 ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ 2 “ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ። 3 ኣነ ኸዓ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፥ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፤ ዝኾነ ነገር ምስ ፈለጥኩ ኸዓ ኽነግረካ እየ” በሎ።
4-5 ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።
6 ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።
7 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።
8 መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።
9 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። 10 ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።
11 ሳኦል ድማ፥ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ግና “በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። 12 ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ። 13 ሜልኮል ድማ ምስሊ ጣዖት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣጋደመቶ፤ ኣብ ትርኣሱውን መኼዳ ፀጕሪ ጤል ገበረትሉ፤ ክዳንውን ከደነቶ።
14 ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም።
15 ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ። 16 እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እንሆ እቲ ምስሊ ጣዖት መኼዳ ፀጕሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።
17 ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ።
18 ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ። 19 ንሳኦል ድማ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 20 ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። 21 እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። 22 ሽዑ ቝጥዓ ሳኦል ነደደ፤ ባዕሉውን ናብ ኣርማቴም ኸደ፤ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዒላ ምስ በፅሐ ድማ፥ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ?” ኢሉ ጠየቐ።
“እነሆ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣለዉ” ኢሉ መለሰሉ።
23 ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ። 24 ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ።
1 ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
2 ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።
3 ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።
4 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
5 ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ። 6 ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ። 7 ‘ይኹን’ እንተበለካ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ደሓን ማለት እዩ። የመና እንተ ተቘጥዐ ግና፥ ክፉእ ኸም ዝመደበ ፍለጥ። 8 እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ።
9 ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ።
10 ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ።
11 ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።
12 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ። 13 ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን። 14 ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ግና፥ ምእንቲ ኸይመውት ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። 15 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ።
16 ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ። 17 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፥ ስለ እቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ መሓለሉ።
18 ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ። 19 ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ። 20 ኣነ ኸዓ ንዒላማ ኸም ዝውርውር ሰለስተ ፍላፃ ናብኣ ኣቢለ ኽውርውር እየ። 21 ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘ኪድ ነቲ ፍላፃታት ድለዮ’ ኢለ ድማ ኽሰዶ እየ፤ ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘እነሆ፥ እቲ ፍላፃ ካባኻ ናብዙይ እዩ ዘሎ፥ ሒዝካዮ ናባይ ነዓ’ እንተ በልክዎ፥ ንኣኻ ደሓን ማለት እዩ፤ ሽዑ ምፃእ ዝኾነ ነገር ከም ዘይህሉ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። 22 ነቲ መንእሰይ ‘እንሆ፥ እቲ ፍላፃታት ካባኻ ንንየው እዩ ዘሎ’ እንተ በልክዎ ግና ሽዑ እግዚኣብሄር ኣሰናቢቱካ እዩ እሞ፥ ኪድ። 23 ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝተዛረብናዮ ነገር ከዓ፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በሎ።
24 ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 25 ከም ልማዱ ድማ ኣብ መንበሩ፥ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተፀጊዑ ዝነበረ ወንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጠ። ኣበኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ወንበር ዳዊት ከዓ ጥራሓ ነበረት። 26 ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን። 27 ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ።
28 ዮናታን ድማ ንሳኦል “ዳዊት ‘ናብ ቤተ ልሔም ክኸይድ ፍቐደለይ’ ኢሉ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ፥ 29 ‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።
30 ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነደደ፤ “ኣታ ወዲ እዛ ቐይናን ዓመፀኛ ሰበይቲ፥ ነቲ ነውርኻን ንነውሪ እታ ዝወለደትካ እኖኻን ዝኸውን፥ ወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻ ኣይፈልጥን ድየ? 31 ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ።
32 ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። 33 ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ።
34 ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ ማእዲ ተስአ፤ ኣቦኡ፥ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፥ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እንጀራ ኣይበልዐን።
35 ንፅባሒቱ ድማ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት ዝተሰማምዖ ናብ በረኻ ወፀ፤ መንእሰይ ሓሽከርውን ምስኡ ነበረ። 36 ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ “ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላፃታት ድለዮ” በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ እንተሎ ፍላፃ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። 37 እቲ ሓሽከር ኣብታ ዮናታን ፍላፃ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በፅሐ፤ ዮናታን ነቲ ሓሽከር ፀዊዑ “እቲ ፍላፃ ካባኻ ንንየውዶ ኣይኮነን ዘሎ?” 38 “ተሎ በል፤ ቀልጥፍ፥ ደው ኣይትበል” እናበለ ዓው ኢሉ ነቲ ሓሽከር ፀውዖ። እቲ ሓሽከር ዮናታን ድማ ነቲ ፍላፃታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ። 39 ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራሕ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር እቲ ሓሽከር ኣይፈልጥን ነበረ። 40 ዮናታን ከዓ ኣፅዋሩ ነቲ ሓሽከሩ ሂቡ፥ “ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ” በሎ። 41 እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።
42 ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ።
1 ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።
2 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ። 3 ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ።
4 እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት “ኵሉ ዝበልዖ እንጀራ ኣብ ኢደይ የለን፤ እቶም ኣጓብዝ ካብ ኣንስቲ ዝተሓለዉ እንተ ኾይኖም ግና ቅዱስ እንጀራ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
5 ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ። 6 እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ።
7 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።
8 ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።
9 እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ። 10 ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ። 11 ንኣንኩስ ከዓ እቶም ሓሻኽሩ፥ “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ሃገርዶ ኣይኮነን?
እቲ ‘ሳኦል ሺሕ፥
ዳዊት ድማ እልፊ ቐተለ’
ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
12 ዳዊት ድማ ነዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፤ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ የመና ፈርሖ። 13 ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ባህርዩ ለወጠ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ኸም ዕቡድ ኮነ፤ ኣብቲ መድረኽ መዓፁ እቲ ኣፍ ደገውን ፈርፈር በለ፤ ልዛዩ ኸዓ ብጭሕሙ ዘርበብ ይብል ነበረ።
14 ሽዑ ኣንኩስ ንሹመኛታቱ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ዕቡድ ምዃኑ ትሪእዎ ኣለኹም፤ ስለ ምንታይ ናባይ ኣምፃእኹምዎ? 15 ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምፃእኹምለይስ፥ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ? እዙይዶ ናብ ገዛይ ክኣቱ ይግባእ?” በሎም።
1 ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ። 2 ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ።
3 ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ። 4 ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ።
5 ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።
6 ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7 ሳኦል ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሹመኛታቱ “ኣቱም ብንያማውያን፥ እስኪ ስምዑ፤ ወዲ እሴይስ ንዅልኹምዶ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ? 8 ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም።
9 ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ። 10 ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።
11 ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ኣዝማዱን ልኢኹ ፀውዖም። ኵላቶም ከዓ ናብ ንጉስ መፁ። 12 ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።
13 ሳኦል ድማ “ንሱ ኸምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትስአኒ ንእኡ እንጀራን ሰይፍን ብምሃብካ፥ ምእንታኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፥ ስለ ምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን ዝተመሳጠርኩምለይ?” በሎ።
14 ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ? 15 ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ።
16 ንጉስ ግና “ኣቢሜሌክ፥ ንስኻን ኵላ ቤት ኣቦኻን ብርግፅ ክትሞቱ ኢኹም” በሎ።
17 እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን።
18 ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ። 19 ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።
20 ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብያታር ዝስሙ፥ ግና መሊቑ ናብ ዳዊት ሃደመ። 21 ኣብያታር ከዓ፥ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ። 22 ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ። 23 እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።
1 ንዳዊት ድማ፥ “እንሆ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይወግእዋ፤ ዓውድታትውን ይወርሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 2 ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።
3 ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
4 ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ። 5 ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም። 6 ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።
7 ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ። 8 ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።
9 ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።
10 ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ። 11 ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
12 ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።
13 ሽዑ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰዓብቱን ተልዒሎም ካብ ቅዒላ ወፁ፤ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሳኦል ከዓ፥ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፥ ምውፃእ ሓደገ።
14 ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
15 ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ። 16 ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ። 17 ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ። 18 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።
19 ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ። 20 ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ።
21 ሳኦል ድማ “ስለ ዝሓሰብኩምለይ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም። 22 ንሱ የመና ጐራሕ ከም ዝኾነ፥ ነጊሮምኒ ኣለዉ እሞ፥ በይዛኻትኩም ኬድኩም ኣበይ ከም ዝመላለስን መን ከም ዝረአዮን ኣረጋጊፅኩም ፍለጡን ረአዩን። 23 እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም።
24 ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። 25 ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ።
26 ሳኦልን ሰዓብቱን ነቲ ጎቦ ብሓደ ወገኑ ኸዱ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ነቲ ጎቦ በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፥ ዳዊት ካብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሃደመ። 27 ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ። 28 ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ። 29 ዳዊት ካብኡ ደዪቡ ኣብቲ ናይ ዓይንጋዲ ፅኑዕ ቦታ ተቐመጠ።
1 ሳኦል ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመለሰ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 2 ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ።
3 ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። 4 ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።
5 ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ። 6 ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም። 7 ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ።
8 ድሕሪዙይ ዳዊት ተሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወፀ፤ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ኸዓ ንሳኦል ፀውዖ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልፅ ምስ በለ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። 9 ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ? 10 እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ። 11 ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ። 12 እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኻ ይበቀለለይ፤ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን። 13 ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ‘ሓጢኣት ካብ ሓጢኣተኛታት ሰባት እዩ ዝወፅእ’ ከም እተብሃለ፥ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን።
14 “ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወፂኡ ዘሎ? ንመንከ ኢኻ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ? ንምዉት ከልቢ? ወይ ንቝንጪ? 15 ስለዙይ እግዚኣብሄር ዳኛ ኾይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ሪኡውን ይማጐተለይ፤ ካብ ኢድካውን የድሕነኒ።”
16 ዳዊት እዝ ዘረባ እዙይ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ሳኦል፥ “ወደይ ዳዊት እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በለ፤ ሳኦልውን ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ። 17 ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ። 18 እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ። 19 ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ። 20 ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ንስኻ ብርግፅ ከም እትነግስ፥ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብዘመንካ ኸም እትፀንዕ እፈልጥ እየ። 21 ሕዚ ኸዓ፥ ብድሕረይ ንዘርአይ ከይተጥፍኦ፥ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይትድምስሶ፥ ብእግዚኣብሄር መሓለለይ።”
22 ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ተመለሰ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ናብ እምባ ደየቡ።
1 ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ።
ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ። 2 ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ። 3 ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።
4 ዳዊት ድማ ኣብ ምድረ በዳ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቘርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ። 5 ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጓብዝ ልኢኹ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይብኩም ናብ እንዳ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ ሰላም በልዎ። 6 ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’
7 “ሕዚ ኸዓ ፀጕሪ ኣባጊዕ ትቘርፅ ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይዓመፅናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ብዝነበሩሉ ጊዜ ኸዓ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍኦምን። 8 ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።”
9 እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ መፁ ድማ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ስቕ ኢሎም ከዓ ተፀበዩ።
10 ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም። 11 እንጀራይን ወይነይን፥ እቲ ንቘረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ኢለ ዝሓረድክዎ ስጋን፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህብ እየ?” ኢሉ መለሰሎም።
12 እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ ዘይሮም ብዝመፁሉ መንገዲ ተመለሱ። መፂኦም ከዓ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። 13 ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ሰይፉ ተዓጠቐ። ደድሕሪ ዳዊት ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ድማ ኣቑሑ ኽሕልዉ ተረፉ።
14 ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም። 15 እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣና የመና ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፤ ኣይዓመፁናን፤ በቲ ኣብ ምድረ በዳ ምስኣቶም ዝነበርናሉ ጊዜ ድማ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍአናን። 16 ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም እንተለና፥ ለይቲ ኾነ መዓልቲ፥ ኵልሻዕ ሓፁር ኮይኖምና ነበሩ። 17 ንሱ ድማ ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኸስምዖ ዘይኽእል ክፉእ ሰብ እዩ እሞ፥ ሕዚ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ይመፆ ኣሎ፤ ስለዙይ ረአዪ፤ እትገብርዮ ኸዓ ፍለጢ” በላ።
18 ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ። 19 ንኣገልገልታ ኸዓ “ቐቅድመይ ሕለፉ፤ እኒሀኹ ኽስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20 ኣብ ኣድጊ ተቐሚጣ፥ ነቲ ጎቦ ብኸውላ ኸውሊ ኽትድይብ እንተላ፥ እንሆ፥ ዳዊትን ሰዓብቱን ከዓ ይወርዱ ነበሩ። ንሳ ድማ ተራኸበቶም። 21 ዳዊት ከዓ ኸምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ኣብ ምድረ በዳ ጥሪቱ ኸይጠፍኦ ኢለ ሓለኹሉ፤ ንሱ ግና ኸንቱ እዩ። ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ መለሰለይ። 22 ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።”
23 ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት። 24 ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ። 25 ጐይታይ! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ናባል፥ ኣብዝ ክፉእ ሰብ እዙይ፥ ኣይተቕልበሉ። ስሙ ናባል እዩ፤ ከም ስሙ ኸዓ ዓሻ እዩ፤ ከም ስሙውን ስራሕ ዓሻ ይሰርሕ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ሰባት ኣይረአኽዎምን።
26 “ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ። 27 ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ። 28 ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ። 29 ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም። 30 እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥ 31 ንፁህ ደም ኣፍሲሰ፥ ሕነይውን ፈድየ ኢልካ ኣብ ሕሊናኻ ነስሓ ኣይስምዐካን እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፥ ንኣይ ንገረድካ ዘክረኒ።”
32 ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። 33 ለባም ስለ ዝኾንክን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ምፍሳስ ደም ክምለስ ስለ ዝገበርክንን ብርኽቲ ኹኒ። 34 በቲ ኽፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ፤ ንስኺ ኽትራኸብኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመፅስ ንናባል ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ” በላ።
35 ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ።
36 ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን። 37 ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ። 38 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ።
39 ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኻብ ናባል ዝበፅሐኒ ውርደት ዝፈረደለይ፥ ንኣይ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን። ናባል ክፍኣት ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀሰፎ” በለ።
ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ። 40 እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ናብ ቀርሜሎስ መፂኦም ንኣቢግያ “ዳዊት ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኽወስደኪ ደልዩ፥ ናባኺ ልኢኹና” ኢሎም ነገርዋ።
41 ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት። 42 ኣቢግያ ከዓ ቐልጢፋ ተስአት፤ ኣብ ኣድጊ ድማ ተቐመጠት፤ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ተኸተላኣ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ኸደት፤ ሰበይቱውን ኮነት። 43 ዳዊት ንኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ድማ ወሲድዋ ነበረ። ክልቲአን ከዓ ኣንስቱ ኾና። 44 ሳኦል ግና ንጓሉ ሜልኮል፥ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት፥ ንፋልጢ ወዲ ለሌሳ በዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ።
1 እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ገባዖን መፂኦም “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ የሴሞን ተሓቢኡ ኣሎ” በልዎ።
2 ሽዑ ሳኦል፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደልዮ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ምስኡ ሒዙ፥ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ። 3 ሳኦል ከዓ ኣብታ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዘላ ዀረብታ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ ምድረ በዳ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ ምድረ በዳ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ ድማ፥ 4 ዳዊት ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ።
5 ዳዊት ከዓ ተሲኡ፥ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዝነበረ ቦታ መፀ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ኸዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ደቀሰ፤ እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።
6 ሽዑ ዳዊት ንኣቢሜሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር፥ መን ምሳይ ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳይ ከዓ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” በለ።
7 ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።
8 ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ።
9 ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ። 10 ዳዊት ድማ “ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ወይ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ በፂሓ ኽመውት እዩ፤ ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ኽጠፍእ እዩ። 11 እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ።
12 ዳዊት ከዓ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰዶ። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፥ ሓደ እኳ ዝረአየ፥ ወይ ዝፈለጠ፥ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።
13 ዳዊት ድማ ናብ ማዕዶ ሓሊፉ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ዀረብታ ደው በለ፤ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ገፊሕ ቦታ ነበረ። 14 ዳዊት ነቶም ሰራዊትን ንኣበኔር ወዲ ኔርን “ኣታ ኣበኔር፥ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ ፀውዖ። ኣበኔር ድማ “ኣታ እትፅውዕ፥ ንንጉስ ከዓ ድቃስ እትኸልእ፥ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ መለሰ።
15 ዳዊት ከዓ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መፂኡ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ? 16 እዝ ዝገበርካዮ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኹም ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ስለ ዘይሓለኹምዎ፥ ንስኻትኩም ሞት ከም ዝግብአኩም ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። እስኪ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ።
17 ሳኦል ድማ ድምፂ ዳዊት ኣለልዩ፥ “ወደይ ዳዊት፥ እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በሎ።
ዳዊት ከዓ “እወ፥ ጐይታይ ንጉስ! ድምፀይ እዩ” በሎ። 18 ኣስዒቡውን “እንታይ ገይረ እየ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ፥ ጐይታይ፥ ንሓሽከርካ እተሳጕጐኒ ዘለኻ? 19 እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ። 20 ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።
21 ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።
22 ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23 ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን። 24 እንሆ ድማ ኸምቲ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዝራህራህኹልካ እግዚኣብሄር ይራህርሀለይ፤ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ” በለ።
25 ሽዑ ሳኦል ንዳዊት “ኣታ ወደይ ዳዊት፥ ቡሩኽ ኩን። ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅውን ክሰልጠካ እዩ” በሎ። ድሕሪዙይ ዳዊት መንገዱ ኸደ፤ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
1 ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።
2 ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን፥ ተሲኦም ናብ ቤት ንጉስ ናብ ወዲ ኣሜህ ናብ ኣንኩስ ተሳገሩ። 3 ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ። 4 ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።
5 ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ።
6 ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት። 7 ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተቐመጠ።
8 ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ። 9 ዳዊት ከዓ ነታ ሃገር ወረራ፤ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ንዝኾነ ብህይወት ኣይሓደገን፤ ኣባጊዕን ከፍትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ማረኸ፤ ተመሊሱውን ናብ ኣንኩስ መፀ።
10 ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ። 11 ዳዊት “ኵልሻዕ ልማዱ ኸምዙይ ነበረ” ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፥ ንሰብኣይ ኮነ ንሰበይቲ ይቐትሎም ነበረ እምበር ናብ ጌት ኣየምፅኦምን ነበረ። ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜያት ከምዙይ ይገብር ነበረ። 12 ኣንኩስ ንዳዊት “ብህዝቡ፥ ህዝቢ እስራኤል፥ የመና ተፀሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ኣገልጋሊየይ ክኾነኒ እዩ” ኢሉ ኣመኖ።
1 ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት። 2 ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ። 3 ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት።
4 በታ ሻውዐይቲ ዓመት ከዓ ኻህን ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሓለውቲ ንጉስን ሓለውቲ ቤተ መንግስትን ልኢኹ ኣምፅኦም፤ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፤ “ኪዳን እተዉለይ” ኢሉ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፤ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። 5 ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብሰንበት ስራሕ ዝኣትዉ፥ ቤተ መንግስቲ ይሓልዉ፤ 6 ሓደ ሲሶ ድማ ነታ ሱር እትበሃል ደገ ይሓልዉ፤ እቶም ዝተረፉ ሓደ ሲሶ ኸዓ ብድሕሪ እቶም ነታ ቤተ መቕደስ በብተራ ዝሕልዉ ሓሻኽር ኮይኖም ይሓልዉዋ። 7 እቶም ብሰንበት ዘዕርፉ ኽልተ ኽፍሊ ድማ ንንጉስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ይሓልውዎ። 8 ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም።
9 እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ኸምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰቦም ሒዞም ነቶም ብሰንበት ዝሰርሑን ብሰንበት ዝዓርፉን ሒዞም ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ። 10 እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም። 11 እቶም ሓለውቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሮም ክሳዕ ፀጋማይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቆሙ።
12 ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
13 ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። 14 እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓምዲ ቖይሙ ነበረ፤ እቶም ኣዘዝትን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።
15 ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 16 ሽዑ ሓዝዋ፤ ናብቲ ኣፍራስ ዝኣትዉሉ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ እውን ወሰድዋ፤ ኣቡኡ ድማ ቐተልዋ።
17 ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
18 ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣትዮም ነቲ ቤት ኣፍረስዎ፤ መሰውኢታቱን ምስልታቱንውን ሰባበሩ፤ ንማታን ካህን ጣዖት በዓል ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሓረድዎ።
ዮዳሄ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ። 19 ዮዳሄ ምስቶም ኣዘዝትን ሓለውቲ ንጉስን ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓሻኽርን ህዝብን ኮይኑ፤ ንንጉስ ኢዮኣስ ካብ ቤት እግዚኣብሄር በታ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅእዎ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ዙፋን ነገስታት ተቐመጠ። 20 ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጐሰ። ጎቶልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቲላ ስለ ዝነበረት እታ ኸተማ ሃድአት።
21 ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።
1 ስም ነፍሲ ወከፍ እቶም መምስ ቤተ ሰቦም፥ ምስ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል እዙይ እዩ፦ 2 ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ 3 ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥ 4 ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር። 5 ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ። 6 ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ። 7 እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት።
8 ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ። 9 ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን። 10 እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም። 11 ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ። 12 ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ። 13 ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም። 14 ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።
15 ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦ 16 “ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን። 17 እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን። 18 እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
19 እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ። 20 እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ። 21 እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን። 22 ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
1ይ ሳሙኤል 18–27 · 2ይ ነገስት 11 · ዘፀኣት 1 · ትመ15
መርዶክዮስ ንጐይታ፣ ንኣማሌቅ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክዋግኦ ዝመሓለ (ዘጸ. 17:16)፣ እሙን ስለ ዝነበረ፣ ንሃማን ኣጋጊ፣ ንወራሲ ስድራቤት ኣማሌቅ፣ ዕለት ዕለት ክሰግድሉ ኣበየ። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን ካብ ኩሎም መሳፍንቲ መንግስቲ ልዕል ኣቢልዎ ነበረ፣ ንኹሉ ሰብ ድማ ንእኡ ክሰግዱን ክብሪ ክህቡን ኣዚዝዎ ነበረ። ትእዛዛት ሰብኣዊ መንግስቲ ንትእዛዛት ኣምላኽ ብቐጥታ እንተ ተጻሪሮም፣ ንሕና እውን ንሰብ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ክንእዘዝ ይግባእ። ሽዑ ንኣምላኽ ብዝነበረና እምነት ምእንቲ ክንሳቐይ ክንጽበ ንኽእል ኢና።
ሃማን ንመርዶክዮስ በይኑ ምቕጻዕ ንዒቕዎ። ንኹሎም ኣይሁድ ኣብ መንግስቲ ፋርስ ንምጥፋእ ፍቓድ ንጉስ ረኸበ። ራእይ 12 ብምሳሌያዊ ቛንቋ ሰይጣን ንህዝቢ ኣይሁድ፣ ንእስራኤል፣ ክርስቶስ ካብ እስራኤል ክውለድ ስለ ዝነበሮ፣ ኩሉ ግዜ ከም ዝጸልኦም የርእየና። ኣብ ዘጸኣት 1 ኣብ ግብጺ ክቕተሉ ዝነበሮም ኩሎም ደቂ እስራኤል ሕሰቡ። ሳኦል ንዳዊት ብምሉእ 1 ሳሙኤል 18 ክሳብ 27 ክቐትሎ ከም ዝደለየ፣ ኣታልያ ንኹሎም ደቂ ደቃ፣ ንንጉሳዊ መስመር ኣብ 2 ነገስት 11 ክትቐትሎም ከም ዝፈተነት፣ ሄሮድስ ኣብ ቤት-ልሄም ንንኣሽቱ ደቅሰብ ከም ዘብደደ ዘክሩ። ታሪኽ ብስደት ኣይሁድ፣ ናይ ኣምላኽ ምድራዊ ህዝቢ፣ ኣብ ኤውሮጳ ብሂትለር ብዝተፈጸመ ሆሎኮስት ዝዛዘም፣ ምሉእ እዩ። ኣብ መጻኢ ድማ ዝያዳ ክህሉ እዩ።
ሰይጣን ንወዱ ንምኽባር ዝነበሮ ዕላማ ኣምላኽ፣ ንኣይሁድ ብምጽላእ ይኹን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንክርስትያናት ብምስዳድ፣ ኩሉ ግዜ ከፍሽል ፈቲኑ እዩ። ዝኾነ ይኹን ዋጋ እንተኸፈልና እውን፣ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ እሙናት ንኹን!