ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ
ከምቲ ኤች.ኤ. ኣይረንሳይድ ኣብ መእተዊ እዚ ንእሽቶ መጽሓፍ ዚጽሕፎ፡ ዕላማኡ ነቲ ኣንባቢ «ብዛዕባ ጸሎት ገለ ኺሓስብ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ከኣ ብዛዕባ ጸሎት ገለ ነገራት ኪመሃር» ምሕጋዝ እዩ።
እቲ ምምሃር ድማ ኣብቲ መእተዊ እዩ ዚጅምር፡ ምኽንያቱ ኣብኡ እቲ ደራሲ ብዛዕባ ጸሎት ካብቶም ብዙሕ ዚሕተቱ ሕቶታት ሓደ ይምልስ፦ «ኣምላኽ ንጸሎት ዘይተለወጡ ሰባት ይምልስ ድዩ?» ገለ ካልኦት ሕቶታት እቲ ደራሲ ኣብዚ ንእሽቶ መጽሓፍ ዚምልሶም ከኣ እዚኦም እዮም፦
ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
- ከመይ ገይረ ብፍቓድ ኣምላኽ ክጽሊ እኽእል?
- ኣምላኽ ኵሉ ነገር ስለ ዚፈልጥ፡ ስለምንታይ ክጽሊ ዘድሊ?
- ሰይጣን ክጽሊ ኸሎ እንታይ ይገብር?
- ገሊኦም ዕንቅፋታት ጸሎት እንታይ እዮም?
- ኣምላኽ ንጸሎተይ ስለምንታይ ኣይመልስን?
- ኣይረንሳይድ ነዞም ሕቶታት እዚኦምን ካልኦትን ብምምላስ፡ ብዛዕባ ጸሎት ገለ ኣገዳሲ ነገራት እውን ይምልስ፡ ከምዚኦም፦
ርክብ ኣብ መንጎ ጸሎትን ምስ ኣምላኽ ዘሎ ሕብረትን።
- ርክብ ኣብ መንጎ ጸሎት ምልማንን ወንጌላዊ ዕዮን።
- ርክብ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምርማርን ፍረ ዘለዎ ጸሎትን።
- ኣምላኽ ብመልሲ ጸሎትና ገይሩ ከመይ ገይሩ ይምህረና።
- ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት መጽሓፍቲ ኣይረንሳይድ ዘሎ፡ እዚ እውን ብውልቃዊ ኣብነታትን ዛንታታትን ብግቡእ ተሰንዩ ኣሎ፡ ንምርድኡ ንምብዛሕን ንትምህርቱ ድማ ሕብሪ ንምውሳኽን። ብቐሊሉ ዚንበብ ኣገባቡ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚ እውን ብዙሕ ኪጥቀስ ዚኽእል እዩ። እቲ ኣሰናዳኢ እዚ እተመሓየሸ ሕታም እዚ ገለ ሓጺር ጥቕስታት ኣብቲ ጽሑፍ ከም ምእታው ኣጕሊሑ ኣሎ። ገለ ኣብነታት ከኣ እዚኦም እዮም፦
«ኣብ ሕልናይ ዚዅንነኒ ዘበለ ዅሉ ንጸሎት ይዓግት።»
- «ብዙሕ ኣኼባታት ጸሎት መንፈስ ቅዱስ እንተ ዝህልወና፡ ብዙሕ ስብከት መንፈስ ቅዱስ ምሃለወና።»
- «ሓደ ልማኖ ምቕራብ እሞ ድሕሪኡ ‘ብሽም ጐይታ’ ምውሳኽ ጥራይ፡ ብሽሙ ምጽላይ ማለት ኣይኰነን።»
- «ኣብ ጐይታ ባህታኡ ዚረክብ፡ ብርእሰ ፍትወት ንስጋዊ ትምኒት ኣይሓትትን።»
- እቲ መጽሓፍ፡ ብተወሳኺ መእተዊን መደምደምታን፡ ትሽዓተ ምዕራፋት ሒዙ ኣሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ድማ ንጸሎታዊ ህይወት እቲ ኣንባቢ ንምምሕያሽን ንምስፋሕን ኣገዳሲ ትምህርትን ምብርትታዕን ዝመልኦ እዩ። ከምቲ ኣይረንሳይድ ኣብ መደምደምታ ዚሕብሮ፡ ትምኒቱ እቶም ኣንበብቱ ብዙሕ ዚጽልዩ ሰባት ኪዀኑ እዩ፡ ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን፡ ብፍላይ ድማ ንጥቕሚ ጐይታ።
ጸሎታዊ ህይወትካ ኸተመሓይሽ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ሓጺር መጽሓፍ እዚ ኸተንብቦ ኣተባብዓካ። ኣብ ጸሎት ዘሎ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ምስ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ርክብን ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ።
ተገምጊሙ





