ጸሎት ኣደ
ጐይታይ፣ ሎሚ ምሸት ኣደ ኮይነ ምህላወይ ይሕጐሰኒ ኣብዛ ብጽልኢ ዝዓበደት ዓለም። ኣብዚ ናይ ምድሪ ስቓይ ሰዓት እዚ፣ ዓብዪ ነገር ክገብር ኣይሓትትን እየ ዓብዪ ስራሕ፣ ዝና ዘምጽእ። ዝዓበዩ ቦታታት ክዘውር ኣይደልን እየ። ነበልባል ክሕሉ ጥራይ እየ ዝደሊ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ክርስትያናዊ ገዛ ዝበርህ።
ንደቀይ የመስግነካ። እቲ መገዲ ናብ ስቓይ እንተመርሐ፣ ጐይታይ፣ ሓይሊ ሃበኒ። ሓደ መዓልቲ ከም ዝነበረ ክዝክር እየ ልቢ ኣዴኻ ብሰይፊ ሓዘን ተወጊኡ። ጸጋኻ ሕጂ እኹል ክኸውን እዩ – ከም ሽዑ። ጐይታይ፣ ኣደ ምዃነይ ይሕጐሰኒ – ኣሜን።ደራሲ ዘይፍለጥ
«ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ጸልማት ነበረ . . .
ግናኸ ኩሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ኣባይቶም ብርሃን ነበሮም።»
ዘጸኣት 10:22-23






