ናብ ሰማይ ትኸይድ ዲኻ?
እንታይ ክገብር ኣሎኒ?
• ክሳብ ዝከኣለኒ ጽቡቕ ክኸውን• ንወለደይ ክእዘዝ• ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸይድ• ክጥመቕ• ንኻልኦት ጽቡቕ ግብሪ ክገብር
እዚ ኹሉ ነገር፡ ኣዝዩ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ናብ ሰማይ ከእትወካ ኣይክእልን እዩ። እዚ የገርመካ ድዩ? ኣምላኽ ኩላትና ሓጥያት ዝበሃል ገለ ሕማቕ ነገራት ከም ዝገበርና ይብል፦
ኩሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ እዩ (ሮሜ 3:23)።
ናይ ሓጢኣትና ፍርዲ ሞት እዩ፦
ናይ ሓጢኣት ደሞዝ ሞት እዩ (ሮሜ 6:23)።
ግን ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዝፈትወካ፡ ወዱ የሱስ ንሓጢኣትካ ፍርዲ ክወስድ ሞተ፦
ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ከይጠፍእ [ኣብ ገሃነም]፡ የግዳስ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ኣብ ሰማይ] ምእንቲ ክረክብ፡ ወዱ በጃ ሃበ (ዮሃንስ 3:16)።
ናብ ሰማይ እትበጽሓሉ መገዲ የለን። ኣዝዩ ምጽዓርካ እኹል ክገብረካ ኣይክእልን እዩ። የሱስ ንሓጢኣትካ ከም ዝሞተ ክትኣምን ኣሎካ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንሓጢኣትካ ይቕረ ክብለካ ዝኽእል። እዚ ናይ ፍቕሩ ህያብ እዩ።
ብእምነት ኢኹም ዝድሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ካባኻትኩም ኣይኮነን፡ ህያብ ኣምላኽ እዩ፡ ብግብሪ ኣይኮነን (ኤፌሶን 2:8-9)።
ንሰማይ ክትዳሎ ትደሊ ዲኻ? እንተኾነ፡ ከምዚ ኢልካ ምስ ኣምላኽ ተዛረብ፦ ፍቑር ጐይታ የሱስ፡ ሓጥእ ምዃነይ እፈልጥ፡ ንሓጢኣተይ ከተርሕቕ ከም ዝሞትካ እፈልጥ። ንሓጢኣተይ ይቕረ ክብለለይ፡ ንሰማይ ከኣ ከዳልወኒ ብኣኻ እውከል ኣሎኹ። ንኣኻ ክነብር ከም እትሕግዘኒ እፈልጥ። የቐንየለይ!
የሱስ ከም መድሓኒትካ ምስ ኣመንካዮ፡ ንቓሉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትእዘዝ ክትደሊ ኢኻ። እዚ ንእኡን ንዓኻን ሓጐስ ክፈጥር እዩ!
ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።





