«ጸውዓኒ እሞ ክምልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓበይትን ዘይርዱኣትን ነገራት ክነግረካ እየ።» (ኤርምያስ 33:3)
ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ክገብሮ ካብ ዝደልዮ ንታሕቲ ንቕበል። ኣብ ኤርምያስ 32:27 ከምዚ ኢልና ነንብብ፡ «እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሔር፡ ኣምላኽ ኩሉ ስጋ እየ። ንኣይ ዝኸብደኒ ነገርዶ ኣሎ?» ንሕና ድማ፡ «ኣይፋሉን ጐይታ።» ንብል። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ኩነታት ምስ ኣጋጠመና፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ክንውስን፡ ኣምላኽ ዝገብሮ ድማ ክንጐድል ንጅምር። ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ሽሕ ዓመት ይገብር ወይ ኣብ ህይወት ፈታዊ ተኣምር ክገብር ከም ዝኽእል ምእማን ሓደ ነገር እዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝደልዮ ዝኾነ ይኹን ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ብምሉእ ልብና ምእማን ግን ፍጹም ካልእ ነገር እዩ!
ኣብ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምስ ዝዛረበና፡ ድሕሪኡ እንገብሮ ነገር፡ እንታይ ከም እንብል ብዘየገድስ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ከም እንኣምን የርኢ። ኣምላኽ ንሙሴ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝዓበየ ምውጻእ ህዝቢ ንምፍጻም ዘለዎ መደብ ገሊጹሉ፡ ንሙሴ ድማ ንምፍጻሙ ክጥቀመሉ ደልዩ ነይሩ። ሙሴ ምስ ኣምላኽ ብምምጓት መለሰ! ሙሴ ብዝሰምዖ ተዋሒጡ፡ ኣብ ንጥፈታት ኣምላኽ ክሳተፍ ዘይምኽኣሉ ምኽንያታት ክህብ ጀመረ። ሙሴ ብሓይሊ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ብቐሊሉ ምተኣመነ ነይሩ። ኣምላኽ ተኣምራዊ ዕዮኡ ብ ህይወቱ ገይሩ ክገብር ከም ዝኽእል ግን ኣይኣመነን። ምምጓት ሙሴ ምስ ኣምላኽ ንኣገልግሎቱ ንዝተረፈ ህይወቱ ገደቦ (ዘጸኣት 4:13-16)።
ኣምላኽ ብህይወትካ ገይሩ ካብቲ ክትረኽቦ ዝጸናሕካዮ ዝበለጸ ክገብር ከም ዝደሊ ትስምዓካ ድዩ? ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ከርእየካ ሕተቶ። ድሕሪኡ ድማ ብእምነትን ብታኣዛዝን ንዝነግረካ ክትምልስ ተዳሎ። }





