ኣብቲ ላዕለዋይ ጥቕሲ ሰለስተ ነጥብታት ብሓባር ንመርምር፦
- «ናባይ ጸውዕ።» ኣብዚ ጐይታ ንህዝቡ ኣብ ኩሉ ጭንቀቶምን ሽግሮምን ድሌቶምን ናብኡ ኪጽውዑ ዘቕርቦ ጸጋዊ ዕድመ ኣሎ። ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ፣ ይኹን ጥበብ ይኹን ሓይሊ ወይ ካልእ ነገር ከም ዝጐድለና ይስምዓና ድዩ? ንሱ ዓቕምና ኪኸውን ይደሊ። ክንደይ ዝኾኑ ኣመንቲ እዮም ኣብ ውሽጦም ወይ ናብ ኣሕዋቶም ወይ ድማ፣ ብሓዘን፣ ናብ ዓለም ዝጥምቱ እቲ ዘድልዮም ዓቕሚ ንምርካብ፣ ጐይታ ግን ንገዛእ ርእሱ ናብኡ ኪጽውዑ ብጸጋኡ ይዕድሞም ኣሎ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ፣ ኣብ ኤርምያስ 31 «ግዜ ሽግር ያእቆብ» ተገሊጹ ንረክብ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይተራእየ ሽግር ዝነበረሉ ግዜ እዩ። ይኹን እምበር፣ ሽዑ ንድሌቶም እኹል ኪኸውን እዩ፣ ሎሚ ድማ፣ ብጸጋኡ፣ ንድሌትና እኹል እዩ!
- «ኣነ ኸኣ ክምልሰልካ እየ።» ሎሚ ምስ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ሰባት ምድሪ ኽንራኸብ እንተ እንምክር፣ ካብ መን ኢና ግላዊ መልሲ እንጽበ? ይኹን እምበር፣ እቲ ኣምላኽ ናይ ፍጥረት ኩሉ፣ ንሕና ሎሚ ከም ኣመንቲ ከም ኣቦ ጌርና ክንዛረቦ ፍሉይ መሰል ዘሎና፣ ኪምልሰልና ምዃኑ ይነግረና! እዚ ማለት ግን እቲ እንሓቶ ኽንረክብ ኢና ማለት ኣይኮነን። ያእቆብ 4:3 ብጌጋ ኽንሓትት ከም እንኽእል ይነግረና። ንሱ ድሌታትና ካብ ንሕና ንፈልጦ ንላዕሊ ዝፈልጥ፣ ምናልባት እወ፣ ምናልባት ኣይፋሉን፣ ወይ ምናልባት ጽናሕ—ግን ኪምልስ እዩ።
- «ዓበይትን ሕቡኣትን ዘይትፈልጦም ነገራት ከኣ ከርእየካ እየ።» ብሓፈሻኡ፣ ሓደ ድሌት ከም ዘሎና ምስ እንፈልጥ፣ ነቲ ድሌት ድማ ንፍቑር ኣቦና ምስ እነፍልጦ፣ እንደልዮ ኩሉ መልሲ ናይቲ ድሌት እዩ። ንሱ ግን ሓሳባቱ ይነግረና። ንሱ ድሌታትና ምምላእ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንገዛእ ርእሱ፣ ንልቡ፣ ከምኡ’ውን ንቡሩኻት መገድታቱ ብዝያዳ ኺገልጽ ይደሊ። ካብቲ እኹል ዓቕሙ ብዝያዳ ንማሃር፣ ከም ውጽኢት ድማ ንገዛእ ርእሱ ብዝያዳ ንማሃር!





