ሕቶ፦ ዓሰርተ ትእዛዛት ብምሕላው ናብ ሰማይ ክበጽሕ ይኽእል ድየ?
መልሲ፦ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንህይወት ዝኸውን ሕግታት ኣምላኽ እየን። ሓደ እኳ ግና ንኹለን ኩሉ ግዜ ክሕልወን ዝኸኣለ የልቦን፣ ካብ የሱስ ወጻኢ። እቶም ዝተረፍና ብጻዕርና ናብ ሰማይ ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና፣ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
ሓደ እኳ ብምግባር ሕጉ ቕኑዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ሕጊ ኣምላኽ ክንፈልጥ እንተደኣ ጀሚርና፣ ክንእዘዞ ከም ዘይንኽእል ዝያዳ ንርዳእ (ሮሜ 3:20 NLT)።
ሕቶ፦ ነቲ ወርቃዊ ሕጊ ብምእዛዝ ናብኡ ክበጽሕ ይኽእል ድየ?
መልሲ፦ ኣምላኽ ንዕኡን ንብጻይናን ከም እንደልዮ ንምርኣይ ጽቡቕ ግብሪ ክንገብር ክንደይ ከም ዝደልየና እኳ እንተኾነ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ግብሪ እዚ ካብ ገሃነም ከም ዘየድሕነና ይገልጽ፦
ኣድሓነና፣ ብሰንኪ እቲ ዝገበርናዮ ጽቡቕ ነገር ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ ምሕረቱ እዩ (ቲቶስ 3:5)።
ሕቶ፦ ደሓን፣ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ፣ ምሃብ፣ ምጽላይ፣ ምጻም ከምኡ ዝኣመሰለስ እንታይ እዩ?
መልሲ፦ እዚ ኩሉ ነገራት ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ኣየድሕነናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
ቅኑዕ ግብርታትና ... ርኹስ ጨርቂ እዩ (ኢሳይያስ 64:6)።
ሕቶ፦ ክርስትያን ወለዲ ምህላው ናብ ሰማይ ከብጽሓኒ ድዩ?
መልሲ፦ ክርስትያን ወለዲ ምህላው ዓብዪ ነገር እዩ፣ ግና ብእምነቶም ናብ ሰማይ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትኣምን ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
ንኹሎም ዝኣመንዎ (ንየሱስ)ን ዝተቐበልዎን፣ ደቂ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም። ዳግማይ ተወሊዶም! እዚ ስጋዊ ልደት ኣይኮነን ... እዚ ዳግማይ ምውላድ ካብ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ (ዮሃንስ 1:12-13)።
ብጽቡቕ ምዃን፣ ጽቡቕ ምግባር ወይ ጽቡቕ ወለዲ ብምህላው ርእስና ከድሕን ስለ ዘይንኽእል፣ ኣምላኽ ወዱ ንኣባና ተኪኡ ክመውት ለኣኾ። የሱስ ብመስቀል ንሓጢኣትና ምስ ሞተን እንደገና ምስ ተንስአን፣ ናብ ሰማይ ንኽንበጽሕ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ ኾነ። ከምዚ ድማ በለ፦
መልእኽተይ ዝሰምዑን ብኣምላኽ ዝኣምኑን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎም (ዮሃንስ 5:24)።
የሱስ ናብ ሰማይ ንምብጻሕ እንኮ መገዲ እዩ።





