«ኣምላኽ እዩ ሓያል ከውሐይ: መዕቆቢይ።» (መዝሙር 62:7) ሓደ ካብቶም ቀንዲ ባህርያት ናይ ሓጢኣተኛ ባህርይና ናብ ኣምላኽ ዘይምምርኳስ ምዃኑ እኣምን። ኣብኡ ከም ዝምርኮስ እንተፈለጥናን እንተተሰማማዕናን እኳ: ብልምዲ ብዘይ ምምርኳስ ክንሰርሕ ንፈቱ። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ኣብ ፈተና ክንወድቕ ዝፈቕደልናሉ ሓደ ምኽንያት: ብቕድስና ንኽንዓቢ ኣብኡ ከም እንምርኮስ ብተመክሮ ንኽምህረና ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
ሓደ ካብቶም ካብቶም ኣሳዛኒ ተመክሮታት ውድቀት ወጻኢ: ምምርኳስ ንምምሃር ዝበለጸ መገዲ: ንስርዓት ጸሎት ምምዕባል እዩ። እዚ ብተጨባጢ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ከም እንምርኮስ ንኽንእምን የገድደና። ብዛዕባ ጸሎት ዝኾነ ይኹን እንተበልና: ንሓገዝ ኣልቦነትናን ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ፍጹም ምምርኳስን ምፍላጥ እዩ።
እዚ ናይ ሓገዝ ኣልቦነትን ምምርኳስን ምእማን እዩ ንሓጢኣተኛ መንፈስና ናይ ርእሰ-ምኩሕና ዘጸይፎ። ብባህርይና ተግሳጻውያን እንተኾንና: ኣብ ክርስቶስን መንፈሱን ከም እንምርኮስ ክንእምን ዝኸብድ እዩ: ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሰ-ተግሳጽና።
ቅዱስ ምዃን ማለት ከም ጐይታ የሱስ ምዃን እዩ: ንሱ ድማ ባዕሉ «ብገዛእ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን እየ» (ዮሃንስ 5:30) ኢሉ ነይሩ። ንሱ ብፍጹም ኣብ ኣቦኡ ይምርኮስ ነይሩ: ብፍቓዱ ድማ ይእምን ነይሩ። ምምርኳሱ ብዘይ ፍቓድ ኣይነበረን: ግን ብምሉእ ልቡ ነይሩ: ምኽንያቱ ንኣምላኽ ክንምርኮስ ከም ዝተፈጥርና ይፈልጥ ነይሩ።
ምምርኳስ ሓደ ካብ ብዙሓት ስርዓታት ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲኡ: ንኹሎም ህይወትን ሓይልን ይህቦም። ከምቲ እቲ ዘርኢ ንኽዓቢ ዝገብር መትከል ህይወት ንኹሉ ጻዕሪ ገባር ፍረ ዝህብ: ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንስርዓታትና ፍረ ይህቦም። ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምምርኳስ ንኹሎም ክሰርጾም ኣለዎ።





