ሕቶ፦ ከምቲ ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ተኣምራት ሎሚ እውን ኣሎ ድዩ?
መልሲ፦ ኣምላኽ ልዑላዊ እዩ። ኣይቅይርን እዩ (ሚልክያስ 3:6)። ሓይሉ ኣይነከየን። ንዕኡ ኣብ ትሕቲ ሕግታትና ኽንገብሮ ወይ ንሱ ኺገብሮ ዚኽእልን ዘይኽእልን ኽንገልጽ ኣይንግባእን! ብዙሓት ክርስትያናት ብዛዕባ ተኣምራት ኣምላኽ ንዓኣቶም ይምስክሩ። ተኣምራት ኣምላኽ ኣብ ሓደ መዓልቲ፣ ኣብ መላእ ዓለም፣ እንተ ተደሚሩ፣ ብቑጽሮም ኣዝዩ ኽንገረም ኢና።
ግናኸ ቃል ኣምላኽ ክንፈልጦ ዚግባእ መርሆታት የምህር። ተኣምራት የሱስ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ኩሎም ምልክታት እዮም “የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፣ ብምእማን ድማ ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ተጻሕፉ” (ዮሃንስ 20:30-31)። ተኣምራት ሃዋርያት “ኣምላኽ ብፍቓዱ ዚምስክር” ነቲ ብጐይታ ተነጊሩ ብዝሰምዕዎም ዝተረጋገጸ ዓቢ ምድሓን እዩ ነይሩ (እብራውያን 2:3-4)። ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ኪሰብኩ ምስ ለኣኾም፣ ብስሙ ብርቱዕ ምልክታት ከም ዚገብሩ ነገሮም (ማርቆስ 16:17)።
ኣብ ደብረ ሲና ኣምላኽ ንሕጉ ንኣይሁድ፣ ንምልክታት ዚደልዩ ህዝቢ፣ ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ ብገርሃዊ መገዲ ገበሮ። ሕጊ ቅዱስ፣ ቅኑዕን ጽቡቕን እዩ ነይሩ፣ ግናኸ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኬድሕን ሓይሊ ኣይነበሮን። ግናኸ ኣይሁድ ካብቲ ኣቐዲሞም ካብ ኣምላኽ ዝሰምዕዎ መልእኽቲ እተፈልየ መልእኽቲ ስለምንታይ ኪስዕቡ ኣለዎም? ኣምላኽ ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ ካብኡ ምዃኑ ንምርኣይ ምልክታትን ተኣምራትን ሃቦም። እዞም ምልክታትን ተኣምራትን ድማ ንኣህዛብ እውን ነበሩ፣ ምኽንያቱ ንኣማልኽቶም ሓይሊ ከም ዘይብሎም ዜርእዩ ምልክታት እዮም ነይሮም!
ንሕና ኣብ ግዜ ግብሪ ሃዋርያትን መልእኽታትን ኣይንነብርን ኢና፣ የግዳስ፣ ናብቲ ሓዘንተኛ መወዳእታ ናይዚ ዘመን እዚ ቀሪብና ኢና። ንምብራህ ምሉእ ቃል ኣምላኽ ኣሎና። ኣብ ግዜ ውድቀት ብዙሓት ንቃል ኣምላኽ ኪነጽጉ ኸለዉ ኣምላኽ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ስለምንታይ ኪገብር ኣለዎ? ቃሉ እንተ ዘይተቐበልና፣ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ሰብ እንተ ረኣና እውን ኣይንኣምንን ኢና፣ ይብል ጐይታ ኣብ ሉቃስ 16:31። እዞም ምልክታት እዚኦም ንፍርድና ጥራይ ኪውስኹ እዮም።
እቲ ጐይታ ኣብ ግዜ እቶም ምእመናን ሓደ ልቢ ዝነበሩን ንዕኡ ዝተኣዘዙን ዝገበሮ፣ ሎሚ ብዙሓት ርእሶም ዝሾሙ “ፈዋሲያን”ን ሓሰውቲ መምህራንን ንርእሶም ግዝኣታት ኪፈጥሩ ኺፍትኑ ኸለዉ፣ ዘይሰማማዒ ኪኸውን እዩ።






