ንርእስና ክንሓትቶ ዘሎና ሕቶ
«መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸኩም ግና ሓይሊ ትቕበሉ፣ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ድማ መሰኻኽር ክትኾኑኒ ኢኹም» — ግብሪ ሃዋርያት 1:8
«መጸናንዒ ምስ መጸ ግና ... ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ፣ ንሱ ብዛዕባይ ክምስክር እዩ» — ዮሃንስ 15:26
ገሊኦም ግብሪ ሃዋርያት ብሓቂ ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ክበሃል ከም ዝግባእ ይብሉ። እዚ ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ክርድኣኒ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ህልውና መንፈስ ቅዱስ እንተ ረኣና። ከመይሲ፣ ኣብቲ መጽሓፍ እቲ ልዕሊ 50 ግዜ ብቐጥታ «የጥምቕ» ወይ «ይመልእ» ወይ «ይመርሕ» ንዝኣመኑ ከም ዝኾነ ተጠቒሱ ኣሎ። ዕዮኡ ብዘይቐጥታ ዝሕብር መርትዖ እንተ ቘጸርና ድማ፣ ዝያዳ ግዜ ይረአ። ይኹን እምበር፣ መንፈስ ቅዱስ ንርእሱ ኣቓልቦ ክግበረሉ፣ ብፍላይ ድማ መጽሓፍ ብስሙ ክስየም፣ ምስ ዕላማኡ ዘይሰማማዕ ይመስለኒ።
መንፈስ ቅዱስ ምስ ተላእከ፣ ብዛዕባ ጐይታና ክምስክር ካብ ኣቦ መጸ (ዮሃንስ 14:26)፣ ኵሉ ነገር ክምህረና (1 ዮሃንስ 2:27)፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጥና ክነብር (ዮሃንስ 14:16-18)። ኣብ ዮሃንስ 15:16 መንፈስ ቅዱስ «ካልእ መጸናንዒ» ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ – ካብቲ ጽሑፍ ድማ እቲ ናይ መጀመሪያ መጸናንዒ የሱስ ባዕሉ ምዃኑ ንፈልጥ። ብተመሳሳሊ፣ መንፈስ ቅዱስ «መንፈስ ሓቂ» ተባሂሉ ክቐርብ ከሎ፣ የሱስ ባዕሉ «ሓቂ» ተባሂሉ ይቐርብ (ዮሃንስ 14:6)።
ዕላማ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብህይወትና ገይሩ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ክምስክር እዩ። ሎሚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከምኡ እውን ንብምሉኡ ስጋ ክርስቶስ፣ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ (1 ቈረንቶስ 6:19፤ 3:16) ብምቕማጥ እዚ ይገብር ኣሎ። ንርእስና ክንሓትቶ ዘሎና ሕቶ እዚ እዩ፡ ሰባት ክርእዩና ከለዉ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ክሰርሕ ከሎ ዝኾነ መርትዖ ይርእዩ ድዮም?





