ብተስፋታቱ፡ ኣምላኽ ናብኡ ኽንጐዪ ይዕድመና እዩ፦
«ኹሉ ጭንቀትኩም ኣብኡ ደርብዩ፡ ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ» (1 ጴጥሮስ 5:7)። «ከቶ ኣይሓድገካን ኣይጥምጠመካን እየ» ኢሉ እዩ (እብራውያን 13:5)። «እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡ ንመን እፈርህ? እግዚኣብሔር መዕቈቢ ህይወተይ እዩ፡ ንመን እፈርህ?» (መዝሙር 27:1)። «ንዝደኸሙ ሓይሊ ይህብ፡ ንሓይሊ ዘይብሎም ድማ ሓይሊ ይውስኸሎም። መንእሰያት እኳ ኺደኽሙን ኪሕለሉን እዮም፡ ኣወዳት ድማ ኺወድቁ እዮም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሔር ዚጽበዩ ሓይሎም ኪሕድሱ እዮም፡ ከም ንስሪ ብኽንፊ ኺዓርጉ እዮም፡ ኪጐዩ እሞ ኣይኪሕለሉን እዮም፡ ኪኸዱ እሞ ኣይኪደኽሙን እዮም» (ኢሳይያስ 40:29-31)። «ኣምላኸይ ድማ ኹሉ እትደልይዎ ብኽብሩ ብክርስቶስ የሱስ ብሃብቱ ኺመልኣልኩም እዩ» (ፊልጲ 4:19)። «ጾርካ ኣብ እግዚኣብሔር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ፡ ንጻድቕ ከቶ ኺናወጽ ኣይፈቅድን እዩ» (መዝሙር 55:22)።
እዚኣቶም ንቓላት ዕድመ ኣምላኽን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ዝውክል ንእሽቶ ክፍል እዮም። ንሱ ብሓቂ «ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኹሉ ምጽንናዕን» እዩ (2 ቈረንቶስ 1:3)። ንሱ ንዓኻ ኻልእ ሓደ እኳ ኺገብሮ ዘይክእል ኪገብረልካ ይኽእል እዩ። ንሱ ኻልእ ሓደ እኳ ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ጸገምካ ኺረኽበካ ይኽእልን ድሉውን እዩ፡ እቲ ጸገም ብገዛእ ርእስኻ ዝመጸ እኳ እንተኾነ። ኣብ ድኻምካ ከቶ ኣይኪላግጸካን እዩ። ደው ኢሉ ብላግጺ፡ «ነጊረካ ነይረ» ኣይኪብለካን እዩ። ኣብ ስቓይካ ባህ ኣይብሎን። ብምሕረት ምሉእ እዩ። ብምሕረት ይበዝሕ። ከቶ ብምጽያፍ ኣይኪኸይድን እዩ። ድኻምካ ከቶ ንዓኻ ኣይኪጥቀመሉን እዩ። ፍሉያት የብሉን፡ ኣድልዎ ድማ ኣይገብርን። ኣዝዩ ስለ ዝበደልካ፡ እቲ ዝተመባጽዖ ኺህበካ ከቶ ኣይኪኣብየካን እዩ።
ኣብ ዝኸፍአ መዓልትኻ ኸምቲ ኣብ ዝበለጸ መዓልትኻ ንኹሉ ተስፋታቱ እሙን እዩ። ንምሕረቱ ኽትረክብ ወይ ንምሕረቱ ኽትረክብ ነገራት ኽትገብር ኣይሓትተካን። ልብኻ ክንደይ ድኹምን ርእሱ ዝኸፍእን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፡ ግናኸ ብዘይተሓለለትን ሓይልን ዝመልኣ ጸጋ ናባኻ ይቕጽል። ንፍላጎታትካ ምምላእ ባህ ይብሎ። ንልብኻ ሰላም ምምጻእ ባህ ይብሎ። ንሱ ብሓቂ ኹሉ እትደልዮ እዩ። ኣብ ግዜ ድኻምካ ወይ ጸገምካ ናብ ካልእ ቦታ ስለምንታይ ትጐዪ?





