“ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” (ፊልጲ 4:6)
ብገለ እኳ ዘይምጭናቕ፡ ብኹሉ ድማ ጸሎተኛን ኣመስጋንን ምዃን፡ ናይቶም ንኣምላኽ ዚፈልጥዎ ናብ ኩነታት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎም ሓቀኛ ኣረኣእያ እዩ። እዚ ኩነታት እዚ ኸኣ ክንደይ ብሩኽ ናይ ዕግበትን ሰላምን ህይወት እዩ ዚህብ! ግናኸ ንሓደ እኳ ኻባና ኸምዚ ገይሩ ንኹነታት ዚበልጽ ምዃን ባህርያዊ ኣይኮነን፡ እሞኸ፡ ይከኣል ድዩ፧ ዚብል ሕቶ ኺሕተት ይኽእል እዩ።
ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ዝበለጸ ብሩኽ ትእዛዛትን ምዕዶታትን ጥራይ ኣይኮነን ዚህበና፡ እዞም ትእዛዛት እዚኦም ግና ብህይወት ከም ባዕልና ኣብ ዝኣመሰሉ ሰባት ተገሊጾምልና እዮም። እዚኦም ከምኡ ምዃኑ ምስክር እዮም፡ ህይወት ምእዛዝ ንእዞም ትእዛዛት እዚኦም ዩቶፕያዊ ባህርይ የብሉን፡ የግዳስ ናይ ኩሉ ናብ ኣምላኽ ዚመጽእ፡ ንሱ ከም ዘሎን ንዚደልይዎ ኸኣ ዓስቢ ዚህብ ምዃኑ ዚኣምን ሰብ ኣብ ኢዱ እዩ።
ሰለስቲኦም እብራውያን መንእሰያት (ዳንኤል 3) ካብቶም ብዘይ ጭንቀት ምንባር ከም ዚከኣል ዚምስክሩ ቀንዲ መሰኻኽር እዮም። ብጭካነ ዝመልኦ ስልጣን ሓደ ኣረማዊ ንጉስ ተጋጢሞም፡ ብመቓልሕ ሓዊ ኺጠፍኡ ተፈሪዶም ነበሩ፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ ስልጣን እከይ ብዘይ ምፍርራሕ ደው በሉ፡ ካብ ቅንዕና መገዲ ኺምለሱ ድማ ኣበዩ፡ ከምዚ እናበሉ፡ “ኦ ነቡካድነጻር፡ ንሕና ኣይንጭነቕን ኢና” (ፍቕዲ 16)።
“ኣምላኽና ኺገብር ይኽእል እዩ”
እዞም ሰለስተ መንእሰያት እዚኦም ንንጉስ ባቢሎን ኪቃወምዎ ዝገበሮም፡ ግድለለይነት ወይስ ንውጽኢት ዘይምግደስ ወይስ ዘይተዓወተ ፍቓድ እዩ ነይሩ፧ ኣይፋል፡ እምነቶም ኣብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ንዕኡ “ኣምላኽና” ኢሎም ኪዛረቡሉ ይኽእሉ ነበሩ፡ ንሱ ድማ ካብ ኩሉ ኩነታት ዝዓበየ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ኣብ ቅድሚኦም ካብ ዝነበረ ትዕቢተኛን መናደድን ንጉስ ዝዓበየ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ፡ እምነቶም ድማ፡ “ኣይንጭነቕን ኢና…ኣምላኽና ኺገብር ይኽእል እዩ” (ፍቕዲ 17) ምስ በሉ፡ ብንጹርን ብሓቅን ተሰምዐ። እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ነበረ፡ ንሱ እዩ መራሒ ዕድሎም ነይሩ፡ ካብ ሓዊ ኼድሕኖም ወይ ድማ ብእኡ ኣቢሉ ኼሰግሮም ይኽእል ነበረ፡ እንተኾነ ግን፡ ዝኾነ ይኹን ውጽኢት ይኹን፡ ኣብኡ ኺእመኑን ኬገልግልዎን እዮም ነይሮም። ክቡራት መንእሰያት! ኣብቲ ጽቡቕ ገይሮም ዚፈልጥዎ ኣምላኽ ብዘይተሰዓረ እምነቶም፡ ካብቲ ኣብ ዱራ ሜዳ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ተኣኪቡ ዝነበረ ኩሉ ዕቤትናን ክብሪን ዝዓበዩን ዝኸበሩን ነበሩ።
“ኣገልገልቱ…ኣብኡ ዝኣመኑ” (ዳንኤል 3:28)
ኣብ መንጎ ቀሊልን ዘይሕቶኣዊ እምነት ኣብ ኣምላኽን ስልጣን እዚ ብሰይጣን ዝተለዓዓለ ንጉስን ዝነበረ ግጭት እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ቁጥዓ ንጉስ ወሰን ወይ ምሕረት ኣይነበሮን፡ ሻድራኽ፡ ሜሻኽን ኣቤድኔጎን ድማ ኢዶምን ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ናብ ሓዊ ተደርበዩ። ኣምላኽ ነቲ መቓልሕ ኣየጥፍኦን ወይ ኣየውጽኦን፡ ዝዓበየ ነገር ገበረ—ብእኡ ኣቢሉ ኣሰገሮም። ትኩስ ትንፋሱ ከም ንፋስ ሓጋይ ኣብ ገጾም ነበረ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ካብ ኩሉ መኣሰርቲ፡ ኣርዑትን ጭንቀትን ነጻ ኮይኖም ምስ ወዲ ኣምላኽ ብሓጎስ ተጓዕዙ። በዚ ኸኣ ብእምነቶምን ብተኣማንነቶምን ኣምላኽ ተኸብረ፡ ንዓለም ድማ፡ ንሱ ንኣገልገልቱ ኺድሕን ከም ዚኽእልን ከም ዚገብርን ተረጋገጸ።
“ኣገልገልቱ…ኣካላቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ” (ዳንኤል 3:28)
እወ፡ ኣካላቶም እምበር፡ መንፈሶም ኣይኮነን። ኣካላቶም ኪእሰርን ኪቃጸልን ይኽእል ነበረ፡ ግናኸ መንፈሶም ነጻ ነበረ፡ ንኣካላት ዚቐትሉ ኣይፈርሁን ነበሩ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ስጋን ነፍስን፡ ኣምላኽ ኩሉ ኩነታት፡ ኣምላኽ ግዜን ዘለኣለማዊነትን ንኣኦም ዓብይን ህሉውን ሓቂ ነበረ።
“ኣብ ኣምላኹ ስለ ዝኣመነ” (ዳንኤል 6:23)
ዳንኤል እውን፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብገለ እኳ ኸም ዘይጭነቑ ዚምስክር ብሩኽ ምስክር እዩ፡ ከምኡ ድማ ብኹሉ ጸሎተኛን ኣመስጋንን ዝነበረ ሰብ ኣብነት እዩ። ምፍሕፋሕ ጸላእቱ፡ ዘይቅየር ትእዛዝ ዳርዮስ መዳያዊ፡ ከምኡ ድማ እቲ ዋሻ ኣናብስ፡ ንልምዲ ጸሎት ህይወቱ ኣይቀየሮን። ብሰላም ኣምላኽ ተዓቒቡ ነበረ፡ ኣብኡ ድማ ይእመን ነበረ፡ ከም ቀደም ድማ፡ “ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ይምብርከኽ ነበረ፡ ይጽልን ንኣምላኹ የመስግንን ነበረ።”
ጸላእቱ ጥፍኣቱ ደለዩ፡ ንጉሱ ድማ ንምድሓኑ ጸዓረ፡ ንኽልቲኦም ሰላም ኣይነበረን፡ ግናኸ ዕድሉ ኣብ ሚዛን ዚመስል ዝነበረ ሰብ፡ ብፍጹምን ብዕምቆትን ህዱእ ነበረ። ናብቶም ጨካናት ኣራዊት ተደርበየ፡ ግናኸ ኣፍኦም ብኢድ መላእኽቲ ተዓጽዩ ነበረ፡ ዳንኤል ድማ ኣብቲ ኸባር ዋሻ ኸም ኣብቲ ብመጋረጃ ዝተሰርዐ መደቀሲ ኣዳራሽ ቤተ-መንግስቲ ብሰላም ደቀሰ። “ዳንኤል ድማ ካብቲ ዋሻ ተውጽኤ፡ ኣብኡ ድማ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ኣይተረኽበሉን፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣምላኹ ስለ ዝኣመነ።”
“ኣምላኽ ኣምላኾም ኪብሃል ኣይሓፍርን እዩ” (እብራውያን 11:16)
ሓቀኛ እምነት ንሰብ ክንደይ ክብሪ እያ እትኸድኖ! ኣምላኽ ባዕሉ ኣምላኾም ተባሂሉ ምስኦም ኪተሓሓዝ ኣይሓፍርን እዩ፡ እዚ ምትእስሳር እዚ ድማ ብጣዕሚ ውልቃዊ እዩ።
ነቡካድነጻር ንዕኡ “ኣምላኽ ሻድራኽ፡ ሜሻኽን ኣቤድኔጎን” ኢሉ ኺዛረቡሉ ይኽእል ነበረ፡ ዳርዮስ ድማ “ኣምላኽ ዳንኤል” ኢሉ ኺጽውዖ ይኽእል ነበረ፡ ግናኸ እዞም ሰባት እዚኦም ብምስኡ ምትእስሳር ገይሮም ይፈልጥዎ ነበሩ፡ ንዕኡ ድማ “ኣምላኽና”ን “ኣምላኸይ”ን ኪብልዎ ይኽእሉ ነበሩ። ብሩኽ መሰል!
ኣምላኽ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ፡ ሓይሉ ኣይነከየን፡ ኩሉ ኩነታት ህይወት ህዝቡ ድማ ኣብ ኢዱ እዩ። ንሓይሊ ሓዊ ኼጥፍእ ወይ ኣፍ ኣናብስ ኬዓግት ኣይኣትውን ይኸውን። ብ“ጭካነ ዝመልኦ ምዝባዕን ምግራምን፡ እወ፡ ብመኣሰርትን ብእስርትን” ኪፍተኑ ይፈቅደሎም ይኸውን፡ “ድኻታት፡ ጭንቁታት፡ ተሳቐይቲ” ይኾኑ ይኸውን፡ ግናኸ ዚወስዶ መገዲ ይፈልጥ እዩ፡ ዓስቦም ድማ ምስኡ እዩ። ብዛዕባ ኩሉ እቲ ናይ መወዳእታ ቃል ኪዛረብ እዩ። ድሮ ተዛሪብዎ እዩ፡ ሓይሊ ሰብ ወይ ኣጋንንቲ ኺቅይሮ ኣይክእልን እዩ።
“ኣነ እግዚኣብሔር እየ፡ እዚ እዩ ስመይ፡ ክብረይ ድማ ንኻልእ ኣይህብን እየ” (ኢሳይያስ 42:8)።
“ኣነ እግዚኣብሔር እየ፡ ካልእ የልቦን” (ኢሳይያስ 45:18)።
“ንዚኸብሩኒ ኸኣ ከኽብሮም እየ” (1 ሳሙኤል 2:30)።






