ሕቶ፦ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዝሰኣኑ ይመስሉ። ተስፋ ኣበይ ይርከብ? ንምርካቡስ ኣበይ ክንጥምት ንኽእል?
መልሲ፦ ተስፋ ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ይርከብ ፣ ንሱ «ተስፋና» እዩ (1 ጢሞቴዎስ 1:1 NKJV)። ብዘይካኡ ተስፋ የብልናን (ኤፌሶን 2:12)፣ ሓገዝ የብልናን (ሮሜ 5:6)፣ ገዛ የብልናን (ዮሃንስ 14:1-6)። ግናኸ ብእኡን ብምስኡን ተስፋ ኣሎና እሞ ኣየሕፍርን፣ ነቲ ዘሎና ተስፋ ኽንሕጐሰሉ ኸኣ ኣብ ውሽጥና ሓይሊ ኣሎና (ሮሜ 5:5)።
እሙናት፣ ኣብ ግዜ ጸልማትን ተስፋ ምቑራጽን እኳ እንተኾነ፣ ምስ ኣምላኽ ተስፋ ተራኺቦም ኣለዉ፣ ንሱ ኸኣ ብኹሉ ሓጐስን ሰላምን ኪመልኣና ይኽእል እዩ፣ ምእንቲ ብተስፋ ኽንበዝሕ (ሮሜ 15:13)! ንሱ ንኣባላቱ ኸምዚ ኺዝክር ይደሊ፦
ኣነ ንኣኻትኩም ዝሓስቦ ዘሎኹ ሓሳባት እፈልጥ እየ፣ ይብል እግዚኣብሔር፣ ሓሳባት ሰላም እምበር ክፉእ ኣይኮነን፣ ምእንቲ መጻኢን ተስፋን ክህበኩም (ኤርምያስ 29:11)።
መዝሙር 62:5-8 ከምዚ ይዝክር፦
ነፍሰይ፣ ንኣምላኽ በይኑ ብህድኣት ተጸበዪ፣ ምኽንያቱ ትጽቢተይ ካብኡ እዩ። ንሱ በይኑ እዩ ኸውሐይን ምድሓነይን፤ ንሱ መከላኸሊየይ እዩ፤ ኣይክናወጽን እየ። ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፤ ኸውሒ ሓይለይን መዕቈቢየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ። ኵሉ ሳዕ ብእኡ እመኑ፣ ኣቱም ህዝቢ፤ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ።
ኣብቶም ኣጸጋሚ ግዜያት ከምዚ ኽንብል ክንተባበዕ ኣሎና፦
ኣዒንተይ ናብ ኣኽራናት ኣልዕልኩ—ሓገዘይ ካበይ ይመጽእ? ሓገዘይ ካብ እግዚኣብሔር፣ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ይመጽእ። ንእግርኻ ኺናወጽ ኣይፈቅድን እዩ፤ ዚሕልወካ ኣይድቅስን እዩ (መዝሙር 121:1-3)።
እዚ ኽንገብር ከለና፣ ንርእስና እንሓትቶ ሕቶ ኸምዚ እዩ፦
ኦ ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ተዋሪድኪ? ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትሽገሪ? ብኣምላኽ ተስፋ ግበሪ፤ ምኽንያቱ ገና ኽውድሶ እየ፣ ንሱ ሓገዝ ገጸይን ኣምላኸይን እዩ (መዝሙር 42:11)።
ሎሚ ትሳቐዩ እንተኾይንኩም፣ ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንዝሳቐዩ ተስፋ ከም ዘሎን ንዘይብሎም ሓገዝ ከም ዘሎን ፍለጡ። ሎሚ ኹሉ ነገርኩምን ኹሉ ህይወትኩምን ንእኡ ሃብዎ!
ተመልሰ





