«እግዚኣብሔር ከኣ: ‘መከራ ህዝበይ ብሓቂ ርእየ ኣሎኹ ... ጩኸቶም ሰሚዐ ኣሎኹ ... ብስቓዮም እጨነቕ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ንምድሓኖም ወሪደ ኣሎኹ’ በለ።» ዘጸኣት 3:7-8 NIV
እቲ «ናይ ሓሰኻ ውድድር» ዚብል ኣበሃህላ ንዕለታዊ ምድፋእ ዓለም ስራሕ ብግቡእ ይገልጽ። እቶም ሰራሕተኛታት ከም ሓሰኻ ይርኣዩ: ንጥፈታቶም ድማ ከም ውድድር ንኣፍራስ ጥራይ ዚኸውን: ንዘለኣለም ንሓደ ነገር ዚድፍኡ: ግን ፈጺሞም ዘይረኽብዎ። እቲ ንጽጽር ኣብ መንጎ ሓሰኻን ሰባትን ካብ መርመራዊ ላቦራቶሪ ናይ ባህርያዊ ስነ-ልቦናዊ እኳ እንተ መጸ: እቲ ናይ ሓሰኻ ውድድር ሓቀኛ ምንጩ ግን ገነት ኤደን እዩ። ኣብኡ: እቲ ቐዳማይ ምብላዕ ናይ እተኸልከለ ፍረ: ናብቲ «ዝተረግመ»ን «መከራ»ን ውድድር ንምእታው ምልክታዊ ትኬት ኾነ: ኣብኡ ዅሉ ዚቕጽል ምብላዕ ብ«ጻዕሪ»ን «ብልሓት»ን ኣብ መገዲ «እሾኽን ኩርንትን» ብኸቢድ ኪረኸብ ነበረ (ዘፍጥረት 3:17-19)።
ዘፍጥረት ምንጩ ናይ ሓሰኻ ውድድር እንተ ኣቕረበ: መጀመርታ ዘጸኣት ድማ ንሓሰኻ ውድድር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃኡ የርእየና። እስራኤላውያን ብግብጻውያን «ብጭካኔ» ጥራይ ኣይተሓዝኡን: ግን ዝያዳ ብዝሰርሑ መጠን: ዝያዳ ኺገብሩ ይጽበዩ ነበሩ: ንምግባሩ ድማ ንእሽቶ ይወሃቦም ነበረ (ዘጸኣት 5:7-19)። እዚ ባርነት እዚ ንሓጢኣት ኣብ ዅሉ ሰብ ዜንብሮ ነገር ጽቡቕ መግለጺ እዩ – ናይ ሓሰኻ ውድድር: እዚ ኸኣ ብሓቂ ናይ ሓሰኻ መፈንጠራ እዩ! እስራኤላውያን ባሮት ነበሩ: መውጽኢ ድማ ኣይነበሮምን: ክሳዕ እቲ ዝመረጾም ኣምላኽ ጩኸቶም ዝሰምዐን: ንምርኮኛታቶም ኬስዕርን ናብ ሓድሽ ህይወት ኣብ ሓድሽ ምድሪ ኺመርሖምን ዚኽእል መድሓኒ ዝሃበ።
ኣብቲ ናይ ዓለም ሓሰኻ ውድድር ተታሒዝካዶ? እቲ ኣብ ዘጸኣት ዘሎ መግለጺ ኣዝዩ ፍሉጥ ይስምዓካዶ? ክትወጽእ ትደሊዶ? ኣምላኽ መከራኻ ርእዩ: ጩኸትካ ሰሚዑ: ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ናይ ሓሰኻ ውድድር መውጽኢ ሃበ። ተስፋ ዘይብልካ ኩነታትካ እንተ ኣፍሊጥካ: ካብቲ ናይ ሓጢኣት ሓሰኻ ውድድር ናብ ሓድሽ ህይወት ምስኡ ኼድሕነካ ይጽበ ኣሎ። መከራኻ ርእዩ: ጩኸትካ ሰሚዑ: ብስቓይካ ይጨነቕ: ንምድሓንካ ኸኣ ወሪዱ። ካብቲ ናይ ሓጢኣት ሓሰኻ ውድድር ክትወጽእ እንተ ደሊኻ: ኣባና ተወከስ። ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።






