ምልኣት ኣምላኽ ምጥማት!
ብዅሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ (ኤፌሶን 3:19)።
ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጥ ድማ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ካብ ፍልጠት ይበልጽ (ኤፌሶን 3:19)።
ኣምላኽ… ብክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ቦታታት ብ ዅሉ መንፈሳዊ በረኸት ዝባረኸና (ኤፌሶን 1:3)። ጽዋአይ ይፈስስ (መዝሙር 23:5)። ነቲ ዝበለጸ ኽዳን ኣምጽኡ እሞ ኣልብስዎ (ሉቃስ 15:22)። ነቲ ዝሰባሕ ምራኽ ድማ ኣምጽኡ (ሉቃስ 15:23)። ብዘይነገር ሓጎስ ን ምልኣት ክብሪ ትሕጎሱ (1 ጴጥሮስ 1:8)። ሰላም ኣምላኽ ድማ፡ እዚ ሰላም እዚ ካብ ኵሉ ምስትውዓል ይበልጽ (ፊልጲ 4:7)። ኣምላኽ ድማ ዅሉ ጸጋ ናባኻትኩም ከም ዝበዝሕ ኪገብር ይኽእል እዩ። ምእንቲ ኸምኡ ዅሉ ሳዕ ዅሉ ጥዕና ኣብ ዅሉ ነገር እናሃለወኩም፡ ን ዅሉ ጽቡቕ ግብሪ ኽትበዝሑ (2 ቈረንቶስ 9:8)። ኣብቲ ዝመጽእ ዘመን ድማ፡ ብክርስቶስ የሱስ ናባና ብዝገበሮ ለውሃት፡ ነቲ ብዝሒ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኼርኢ (ኤፌሶን 2:7)። ነቲ ኻብቲ ንሕና እንልምኖ ወይ እንሓስቦ ዝበዝሕን ዝዓብን ኪገብር ዚኽእል ኣምላኽ፡ በቲ ኣባና ዚዓዪ ሓይሊ፡ ኣብ ማሕበርን ብክርስቶስ የሱስን ን ዅሉ ዘመን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። (ኤፌሶን 3:20-21)
- ብዙሕ ተባራረኹ!





