ናይ ኣምላኽ ናይ መወዳእታ ምቁጽጻር ህይወትና፡ ምምሕዳሩ ምሳና፡ ከምኡ እውን ዘለኣለማዊ ድሕነትና ብምሉኡ ኣብ ኢዱ እዩ—ኣብ ኢድ ጐይታናን መድሓኒናን፡ ብርቱዕ፡ ዘለኣለማዊ ዓርክና። ንሱ ንኣዝዮም ድኹማት ደቁ እውን ምትእምማንን ቅዱስ ህድኣቱን ኪህቦም ይደሊ። ምሳኡ ኢና፡ ንሱ ኸኣ ምሳና እዩ—ኣብ ህቦብላ ህይወትን ኣብ ግዜ ህድኣትን። ንሱ ኸም ዝጠበቐ፡ ንሕና እውን ጥቡቓት ኢና።
እቲ ንፋሳትን ማዕበላትን፡ ሰራዊት ሰማይን ጉዳያት ሰባትን ዚቈጻጸር የሱስ እዩ። ንሱ ንኣና ናቱ ኪገብረና ሞተ፡ ንናቱ ኺሕሉ ኸኣ ይነብር፡ ቀልጢፉ ኸኣ ንናቱ ኺወስድ ዳግማይ ኪመጽእ እዩ። ሞቱ ኣብ መስቀል ንምድሓንና ከም ሓጥኣን የረጋግጽ፡ ህይወቱ ኣብ ሰማይ ከኣ ንምድሓንና ከም ቅዱሳን የረጋግጽ፡ ከመይሲ «ንሱ ኹሉ ሳዕ ኪልምን ይነብር እዩ።» (እብራውያን 7:25)
ሓይሊ ድሕነትና ኣብቲ ባህርይ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ድሕነትናን ብህይወት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም፡ ከምኡ እውን ብሓንሳብ ደው ዝብሉ ወይ ዝወድቁ ምዃኖም እዩ።
«ኣነ ኸኣ ዘለኣለማዊ ህይወት እህቦም፡ ንሳቶም ከኣ ፈጺሞም ኣይጠፍኡን፡ ካብ ኢደይ ሓደ እኳ ኣይነጥቖምን።» (ዮሃንስ 10:28)
«ኣብ ፍትሒ ኣምላኽ እምርኮስ እየ» በለ ሓደ ዝመውት ዝነበረ ክርስትያን።
እቲ ጻድቕ ባህርይ ኣምላኽ ምስ ምድሓን እቲ ኣዝዩ ድኹም ምእመን እውን ብዘይ ምፍልላይ ተኣሳሲሩ እዩ። ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ነፍሲ ኣብ ክርስቶስ ዝኣመነት፡ ንምሕሳቡ ዘስካሕክሕ እዩ—ግናኸ ካብኡ ንላዕሊ ዘስካሕክሕ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዩኒቨርስ ምብልሻው እዩ። ኣምላኽ ካብ ሓጢኣት ናብኡ ዝተመልሰ ሓደ ሰብ ኪሕሉ ኸም ዘይከኣለ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ! ምእመናን—ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ድኹማትን ብርቱዓትን—«ብሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን ተሓልዮም» (1 ጴጥሮስ 1:5) ብእኡ ኸኣ ጻድቃን ተባሂሎም እዮም።
መርከብ ንሎሚ
ብጐይታ የሱስ ጥቡቓት ኢና። እቶም ብገዛእ ደሙ ዝዓደጎም፡ ናብ ክብሪ ኺቕርቦም ምእንቲ ኺሕልዎም እዩ። ንሱ ኺሕልወና ይኽእል እዩ!





