«ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን እሞ
- ብልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ብዅሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ
- ንሱ ኸኣ መገድኻ ኬቕንዕ እዩ።» ምሳሌ 3:5-6 NIV
እቶም ኣምላኽ ዝመረጾም ህዝቢ ክኣምንዎ ዅሉ ምኽንያት ነበሮም። ካብ ግብጺ ካብ ባርነት ኣውጺእዎም። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንግብጻውያን ሰዓብቶም ኣጥፊእዎም (ዘጸኣት 14:28)። ኣብ ምድረ በዳ ብእንጌራን ድርጭን ካብ ሰማይ (ዘጸኣት 16:12-13)፣ ማይ ካብ ከውሒ (ዘጸኣት 17:6)፣ ከምኡ’ውን ዘይበልዩ ክዳውንቲ (ዘዳግም 29:5) ንጥሙኣቶም ኣማሊኡሎም። ናብ ምድሪ ተስፋ ኣእትይዎም (እያሱ 5:6)።
ንሱ ንህዝቡ ዜፍቅርን ዚግደሰሎምን ኣምላኽ ምዃኑ ደጋጊሙ ኣርእዩ እዩ፣ ኣብ ክንዲኡ ኸኣ ዚሓተቶም ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ነይሩ፦ «ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይህልዉኻ። ንርእስኻ ምስሊ ኣይትግበር ... ኣይትስገደሎምን ኣይተምልኾምን» (ዘጸኣት 20:3-5)። እሞ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጡ ኢኹም፦ «ቅልጡፋት ነበሩ ... ንርእሶም ምስሊ ገበሩ፣ ሰገዱሉ» (ዘጸኣት 32:8)።
ሎሚ እግዚኣብሔር ክንኣምንዎ ዅሉ ምኽንያት ይህበና ኣሎ። «ሕጂ እኳ ሓጥኣን ከለና፣ ንሱ ምእንታና ሞተ» ብምባል ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ (ሮሜ 5:8)። ብሓይሊ ስሙ ክሕልወና ንኣቡኡ ብምሕታት ንዓና ዘለዎ ግድስና ኣርእዩና እዩ (ዮሃንስ 17:11-12)። መጸናንዒ፣ መምርሒን መምህርን ኰይኑ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ኣብ ማእከልና ምህላዉ ኣርእዩና እዩ (ዮሃንስ 14:26)።
ንጥበብ ኣምላኽ ትሰምዕዶ ኣሎኻ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 3:5-6 ተገሊጹ ዘሎ? ፍቕሩ፣ ግድስናኡን ምህላዉን ኣብ ህይወትካ ትረክብዶ ኣሎኻ? ሓደ እዋን ምዉት ከም ዝነበርካን ሕጂ ኸኣ ኣብ ክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ከም ዘሎካን መዓልታዊ ትሕጐስዶ ኣሎኻ? ሰማያዊ በረኸትካ (ኤፌሶን 1:3) ሓሲብካዮዶ ኣሎኻ?






