ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩነታት ብስልጣኑ ኽትርእዮ ኵሉ ግዜ ሓጋዝን ብሩኽን እዩ። ንሱ ኣብ መሪሕነት ይቕመጥ። ንሱ ዘይፈቕዶ ነገር ኣይፍጸምን። ኣብተን ግዜያት እቲአን: ንሱ ናባና ሓሳባት ሰላም ጥራይ ከም ዘለዎ: ኵሉ ኸኣ ንዜፍቅርዎ ንጽቡቕ ከም ዚድግፎም ክንፈልጥ ኣሎና (ሮሜ 8:28 ርአ)።
ኣምላኽ ንምምሃርናን ንክርስቶስ ንምምስሳልናን ብዙሕ ግዜ ስቓይን ሽግራት ይጥቀም። እዞም ዚስዕቡ ሓሳባት ነዚ ብኣገዳሲ መገዲ የጕልሑ:
«ሓደ በጻሒ ሓደ ሓርነታዊ ብሓዊ ብሩር ኪሕምስ ከሎ ይዕዘብ ነበረ። እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ሓዊ እናሓየለ ይኸይድ ነበረ። እቲ ሓርነታዊ ኸኣ ኵሉ ግዜ ብቐረባ ናብቲ ሓዊ ብሩር ብጥንቃቐ ይጥምት ነበረ።«ስለምንታይ ንብሩር ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጥንቃቐ ትዕዘቦ ኣሎኻ?» እቲ በጻሒ ሓተተ።«ገጸይ እርኢ ኣሎኹ» ዝብል መልሲ ነበረ። «ገጸይ ኣብቲ ብሩር ኽርኢ ምስ ጀመርኩ: ደው እብል። ሽዑ እቲ ዕዮ ይፍጸም።»ስለምንታይ እቲ ሓርነታዊ ኣብ ትሕቲ ብሩር ሓዊ ኣንደደ? ንምጽራዩን ንምምልማሉን። ኣምላኽ ኣብ ምቕጻዑ ኸምቲ ፍርዲ ዚፍጽም ገዳዪ ድዩ? ኣይፋሉን: የግዳስ ሓይሊ መጽረዪ እዩ።
እቲ እቶን ስቓይን እቲ ሓያል ቃልሲ ምቕጻዕን እንታይ ማለት እዩ? ኣምላኽ ገጽ: ገጽ ወዱ ኺርኢ ይጽበ ኣሎ። ንሱ «ምስ ምስሊ ወዱ ኽንመስል» (ሮሜ 8:29) ስለ ዝወሰነ። ንሱ ኸኣ ነቲ ምስሊ ኺብክል ወይ ኬበላሽዎ ዚኽእል ኵሉ የንጽሓና።
ከም ኵሎም ጥበበኛታት ወለዲ: ኣምላኽ እውን ንድፊ: ሞዴል ኣለዎ: በኡ መሰረት ከኣ ንህይወት ደቁ ኺቀርጽ ይደሊ። እቲ ሞዴል የሱስ ክርስቶስ እዩ: ዓብዪ ዕላማ ኣምላኽ ከኣ «ክርስቶስ ኣብ ውሽጥኹም ኪቐርጽ» እዩ። (ኤል.ቢ. ኮውማን / ዞንደርቫን ፓብሊሺንግ ሃውስ)





