ፋኒ ክሮስቢ – ንሓቂ ቃል ኣምላኽ ንምርኣይ ኣዒንቲ
ጐይታ ኣዒንቲ ዕውራት ይኸፍት። (መዝሙር 146:8)
መዝሙር ሰብቲ ፋኒ ክሮስቢ (1820-1915) ኣብ ህይወታ ልዕሊ 8000 መዝሙራት ከም ዝጸሓፈት ይገምቱ። ክልተ ሽሕ ብሓደ ኣሕታሚ ተሓቲመን፡ ግናኸ መብዛሕትአን መዝሙራታ ንምልላይ ዓቢ ጸገም ኣሎ፡ ምኽንያቱ ልዕሊ 200 ስማት ብብዕሪት ተጠቒማ እያ!
መብዛሕትአን መዝሙራታ ንዓና ዘይፍለጣ ክነሳ፡ ኣምላኽ ከም «ብሩኽ ምትእምማን፡» «ኣነ ናትካ እየ፡ ዎ ጐይታ፡» ከምኡ’ውን «ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን» ዝኣመሰላ መዝሙራት ንምጽሓፍ ውህበት ሃባ – ከምኡ’ውን እዛ ኣብቲ ዝቕጽል ገጽ ዘላ እተንሳሕሰሓ መዝሙር ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ። ካብ ምውላዳ ጀሚራ ዕውርቲ ምንባራ ኽንሓስብ ከለና፡ ክእለታ ብሓቂ ይበርህ!
መብዛሕትኦም ሰባት ንዕውርነት ከም ዕንቅፋት ይርእይዎ፡ ግናኸ ፋኒ ብሓቂ ከም ውህበት እያ ርእያቶ። ኣምላኽ ዕውርነት ከም ዝሃባ፡ ኣብ ህይወታ ነቲ ሓደ ኻብ ዝፈትዎ መዝሙራታ ዝኾነ፡ «መድሓኒየይ ዅሉ ግዜ ይመርሓኒ» ዝብል ኣርእስቲ ንምርግጋጽ እዩ ኢላ። ንመዝሙራታ ብጥንቃቐ ምምርማር፡ ንመንፈሳዊ ራእያ ብኸም «ክሪኦ እየ» ከምኡ’ውን «የሱስ ክርኢ ከለኹ» ኻብ ክልተ ኻብ ዝፍለጣ መዝሙራታ፡ ከምኡ’ውን «ክብረትካ ክርኢ ከለኹ» ኻብዛ «ቃልካ መብራህቲ እዩ» እትብል መዝሙር ብተደጋጋሚ ኸም ዝጠቐሰት የርኢ።
ፋኒ ክሮስቢ ን95 ዓመታት ብዛዕባ ዕውርነታ መሪር ኮይና ኽትነብር ትኽእል ነይራ። ፋንታኡ፡ ንዕንቅፋታ ከም መገዲ ኣምላኽ ርእያቶ፡ ብሓቂ ኸኣ ንኻልኦት ኣዒንቶም ኪኸፍቱ ንሓቂ ቃል ኣምላኽን ዅሉ እቲ ዝሓዘቶ ጽባቐን ህይወት ዘድሕን መምርሒን ንምርኣይ ዘተባብዕ መዝሙራት ንምጽሓፍ ዝቐለለ ገይሩላ።
ቃልካ መብራህቲ እዩ
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ። (መዝሙር 119:105)
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ፡ ዎ ጐይታ፡ ቃልካ ንመገደይ ብርሃን እዩ፤ ከም ኮኾብ ብለይቲ ኣብ ነፍሰይ ይበርህ፡ ብመዓልቲ ኸኣ የጸናንዓንን የሐጕሰንን።
ዎ ዘገርም፡ ዘገርም ቃል፡ መዝገበይ፡ ተስፋየ፡ መጽንዔየይ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝተመዝገበ ተስፋ ንነፍሰይ የሐጕሳ፡ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ መገደይ ኸኣ የብርሃ።
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ፡ ዎ ጐይታ፡ ንኣኻ ኸኣ ከም ዅሉ ነገር እምነት ብምግባር፡ ዝኾነ ይኹን እከይ ንመገደይ እንተ ሰጊሩ፡ ኣይወድቕን እየ፡ ኣይወድቕን እየ።
ዎ ዘገርም፡ ዘገርም ቃል፡ መዝገበይ፡ ተስፋየ፡ መጽንዔየይ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝተመዝገበ ተስፋ ንነፍሰይ የሐጕሳ፡ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ መገደይ ኸኣ የብርሃ።
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ፡ ዎ ጐይታ፡ ኦ፡ ክብረትካ ኽርኢ ኸለኹ፡ ንዅሉ እቲ ሃብታም በረኸት እቲ ሓቂኡ ዘምጸኦ፡ ምስጋና ንኣኻ ኽህብ እየ።
ዎ ዘገርም፡ ዘገርም ቃል፡ መዝገበይ፡ ተስፋየ፡ መጽንዔየይ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝተመዝገበ ተስፋ ንነፍሰይ የሐጕሳ፡ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ መገደይ ኸኣ የብርሃ።
— ፋኒ ክሮስቢ (1820-1915)





