ናብ ሰማይ ክትከይድ ዲኻ? እንታይ ክገብር ኣሎኒ? ☐ ክሳብ ዝኸኣልኩ ጽቡቕ ክኸውን ☐ ንወለደይ ክእዘዝ ☐ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ☐ ክጥመቕ ☐ ንኻልኦት ጽቡቕ ግብሪ ክገብር ካብዚኦም ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ከእትወካ ኣይክእልን እዩ። እዚ የገርመካ ድዩ? ኣምላኽ ኩላትና ሓያሎ ሓጥያት ዝበሃሉ ሕማቕ ነገራት ከም ዝገበርና ይነግር፡ “ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገበረ” (ሮሜ 3:23)። መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ሞት እዩ፡ “ደሞዝ ሓጢኣት ሞት እዩ” (ሮሜ 6:23)። ግን ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዝፈትወካ፡ ወዱ የሱስ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትካ ክወስድ ሞተ፡ “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ” (ዮሃንስ 3:16)። ናብ ሰማይ ክትበጽሕ እትኽእለሉ መገዲ የለን። ኣዝዩ ምጽዓርካ እኹል ጽቡቕ ክገብረካ ኣይክእልን እዩ። የሱስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ከም ዝሞተ ክትኣምን ኣሎካ። ሓጢኣትካ ይቕረ ክብለካ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ። እዚ ናይ ፍቕሩ ህያብ እዩ። “ብጸጋ ኢኹም ብእምነት ዝድሓንኩም እሞ፡ እዚ ኸኣ ካባኻትኩም ኣይኰነን፡ ህያብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ብግብሪ ኣይኰነን” (ኤፌሶን 2:8,9)። ንሰማይ ድሉው ክትከውን ትደሊ ዲኻ? እንተደኣ ኮይንካ፡ ከምዚ ዝስዕብ ንኣምላኽ ተዛረቦ፡ “ክቡር ጐይታ የሱስ፡ ሓጥእ ምዃነይ እፈልጥ፡ ሓጢኣተይ ንምውሳድ ከም ዝሞትካ እፈልጥ። ሓጢኣተይ ይቕረ ንኽትብለኒን ንሰማይ ድሉው ንኽትገብረንን ኣባኻ እምነት እገብር ኣሎኹ። ምእንታኻ ንኽነብር ከም እትሕግዘኒ እፈልጥ። የቐንየለይ!” የሱስ ከም መድሓኒትካ ምስ ኣመንካዮ፡ ንቓሉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትእዘዝ ክትደሊ ኢኻ። እዚ ንእኡን ንዓኻን ሓጐስ ክፈጥረልኩም እዩ! —ኤል. ኣበርክሮምቢ ✎ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ The New King James Version , © 1982, Thomas Nelson, Inc. ብፍቓድ። ነጻ ትራክታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽርን ብሕቶ ይርከብ።
ምስ ሞትካ ናብ ሰማይ ከም እትኸይድ ከመይ ጌርካ ርግጸኛ ክትከውን
ተዛማጅ ጽሑፋት

ፍርዲ
ሓደጋ ኣርሜሮን ማይ ኣይሂ ኖህን: ንምድሓን ዝኸውን መጠንቀቕታ
እቲ እሳተ ገሞራ ንገለ ግዜ ትኪን ንእሽቶ ላቫን እናፋነወ ይጓዝም ነይሩ። ግን ህዝቢ ኣርሜሮ ትዕቢተኛ ጉጅለ ከም ዝኾኑ ይንገር ነይሩ፣ ካብ ብዙሓት ካልኦት ዝበለጹ ከም…
አልበርት ብሎክ
ዘለኣለማዊ ድሕነት
ዘለኣለማዊ ድሕነት: ምእመናን ብክርስቶስ ከቶ ኣይጠፍኡን እዮም
ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ምትእምማን ናይ ዘለኣለማዊ ድሕነት ንምእመናን ብየሱስ ክርስቶስ እቶም። ድሕነት: ሓንሳብ ምስ ተረኽበ: ከም ዘይጠፍእ ተረድኡ።

ወንጌላዊነት
ማስጠንቀቕታ ታይታኒክ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ድሒንካ ወይ ጠፊእካ?
ምጥሓል ታይታኒክ ንህይወትና መንፈሳዊ ምሳሌ ይህብ፡ ዘይግባእ እምነትን ንማስጠንቀቕታታት ኣምላኽ ዘይምስማዕን የጕልሕ።
ዘይፍለጥ
ቤተ ክርስትያን
ንስኻ ንህንጻ እግዚኣብሔር ዝበቕዐ ኣካል ዲኻ?
መጽሔት ጸጋን ሓቅን ንስኻ ንኸፋሊ ህንጻ እግዚኣብሄር ክትከውን ብቑዕ ዲኻ፧ ጽቡቓት ተቋረጽቲ ህንጻ ጥራይ ጽፉፍ ንብረት ይጥቀሙ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ብጥንቃቐ…
ጳውሎስ አልበርትስ
ቕድስና
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅዱሳን ሎሚ ብሓቂ እንታይ ይብል?
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅዱሳን ብሓቂ እንታይ ከም ዝምህር ተረድእ። ነፍሲ ወከፍ ምእመን ብደም ክርስቶስ ዝተቐደሰን ዝተፈልየን እዩ፣ ሱፐርጀጋኑ ጥራይ ኣይኮኑን።
ሮጀር ፔኒ
ምሕዋይ
የሱስ ሓጢኣት ከመይ ይቕርየልናን ንሽባናኸ ከመይ ይፍውስን?
እቲ ሽባ ዝነበረ ሰብኣይን ብጾቱን ንየሱስ ንምርካብ ዝነበሮም ዕንቅፋታት ከመይ ከም ዝሰዓሩ እተዘንቱ ዛንታ ኣንብብ።