ኣምላኽ ዓማጺ ድዩ?
ብዓቢ ፍቕሩ ንዓና፡ ኣምላኽ፡ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ፡ ገና ብበደልና ምዉታት ከለና ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና – ብጸጋ ኢኹም ዝድሓንኩም (ኤፌሶን 2:4-5 NIV)
ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ክርስትና ዝጻረሩሉ መከራኸሪ፡ ኣምላኽ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ እዩ። ንጽልኢ ብኸመይ እዩ ዘይገትኦ? ጽልኢ ኣብ ሃገራት ከም ቦስንያን ሩዋንዳን ብመልክዕ ምጽራይ ብሄር፡ ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ብሰንኪ ገበናት ጽልእን ውግእ ጉጅለታትን ተስፋሕፊሑ ኣሎ። ምስ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ቦስንያ ኸለኹ፡ ድሕሪ ምጽራይ ብሄር ዝመጸ ኩነታት ረኣኹ – ኣባይቲ ሓደ ብሄር ተደምሲሶም፡ ካልኦት ከኣ ደው ኢሎም ኣለዉ። ኣምላኽ ነዚ ዓመጽ እዚ ብኸመይ እዩ ዝፈቕዶ?
ን“ዓመጽ” ኣምላኽ ካብ ካልእ ኣንፈት ንርአ። ጽልኢ ዓለም ናይ ገዛእ ርእስና ስራሕ ኪኸውን ይኽእልዶ? ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ብዓና ኺግደስ ዘለዎ? ኣምላኽ ንሰብ ብኸመይ እዩ ኺፈቱ ዝኽእል፡ ንወዱ ኣብ መስቀል ምስ ሰቐልናዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ንሓጢኣት ዓለም ሞተ? ገና መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ ንሓደ ወዱ ሃበ፡ እቲ ዚኣምነሉ ዘበለ ኹሉ ኸይጠፍእ፡ ህይወት ዘለኣለም የሕልፍ እምበር” (ዮሃንስ 3:16) ይብል።
ሕነ ኣምላኽ ናብ መን ኪኸውን ይግባእ? ኣብቶም ንወዱ ኣብ መስቀል ዝሰቐልዎ ኪኸውን ኣይግባእንዶ? ኣብ ልዕሌና ኪኸውን ኣይግባእንዶ? ብሓቂ ንቍጥዓ ኣምላኽ ንግብኦ ኢና፡ ግናኸ “ብዓቢ ፍቕሩ ንዓና” ገና ኪፈትወና ይመርጽ። ኣምላኽ ብዛዕባና “ዓማጺ” ምዃኑ ኽንሕጐስ ይግባእ። እንተ ዝኸውን፡ ልክዕ ንግብኦ ዝኾነ – ዘለኣለማዊ ሞት – ምረኸብና!
ክርስቶስ ንዘይግብኦ ህዝቢ ዝፈሰሰ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ንክርስቶስ እንተ ነጺግናዮ፡ ንርእስና ኻብ ፍቕራዊ፡ ጸጋዊ፡ ምሕረታዊ “ዓመጽ” ኣምላኽ ንወጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ልክዕ ንግብኦ ዝኾነ – ዘለኣለማዊ ምፍልላይ ካብ ፍቕሩ – ንረክብ።
እዚ ጸሎት እዚ ሕጂ በል፡ ኣምላኽ፡ ፍቕርኻ፡ ምሕረትካ፡ ከምኡ እውን ጸጋኻ እቕበል፡ እዚ ኸኣ የድሕን። ብዛዕባ ሓጢኣተይ “ዓማጺ” ስለ ዝኾንካ ኣመስግነካ። ንወድኻ የሱስ ከም መድሓኒየይ እቕበል ኣለኹ።
— ፔደር ስዋንሰን






