ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ብባቡር እናተጓዕዘ ምስ ሓደ ኣብ ጥቓኡ ተቐሚጡ ዝነበረ ክርስትያን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብ ጀመረ። “ዮናስ ብዓሳ ነባሪ ከም እተዋሕጠ ከተርእየኒ እንተኽኢልካ፣ ንኹሉ እቲ ዝተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣምን እየ” በለ።
“ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ትሓስብ?” ኢሉ ሓተቶ እቲ ብጻዩ።
በቲ ዘገርም መልሲ ተገሪሙ፣ እቲ ቀዳማይ ሰብኣይ “እዚ ምስቲ ጉዳይ ኣይተሓሓዝን እዩ” ኢሉ ጨደረ።
“ኣይፋሉን፣ ኣይኮነን” ኢሉ መለሰ እቲ ካልእ። “ንገረኒ፣ ክርስቶስ ጥበበኛ ምንባሩ ትኣምንዶ?”
“እወ” በለ፣ “ንሱ ካብ ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ዝበለጸ ጥበበኛ ምንባሩ እሓስብ።”
“እምበኣር፣ ንሱ ነቲ ንስኻ ‘ታሪኽ ዓሳ’ እትብሎ ኣሚኑ እዩ፣ ከመይሲ ኣብ ማቴዎስ 12:40 እንታይ ከም ዝበለ ርአ።”
እቲ ዘይኣምን ሰብኣይ እቲ ጥቕሲ “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝጸንሐ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ልቢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክጸንሕ እዩ” ኢሉ ከም ዝብል ምስ ረኣየ ተገረመ።
“ትርኢ ኣሎኻ” በለ እቲ ክርስትያን፣ “የሱስ ነቲ ታሪኽ ዮናስ ኣሚኑ እዩ!”
“የቐንየለይ፣ ጐይታይ” ዝብል መልሲ ነበረ። “እዚ ንዓይ እኹል መርትዖ እዩ!”
ሳይንሳዊ ኣረኣእያ
ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ተግባር ክፍጽም ዝኽእል ፍጥረት ኣብ ባሕሪ የለን ይብሉ። ሳይንቲስትታት ግን ዝበለጸ ይፈልጡ። ንኣብነት፣ ኣብ 1912፣ ካፒቴን ቻርለስ ቶምፕሰን ኣብ ገማግም ፍሎሪዳ ሓደ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ብሓርበን ወግአ፣ እዚ ድማ ናብ ምድሪ ምስ ተምጽአ፣ ሓደ ካልእ 1500 ፓውንድ ዝምዘን ብምሉኡ እተዋሕጠ ዓሳ ከም ዝሓዘ ተረኽበ። እቶም ንምጥማት ቶምፕሰን ዝመረመሩ ሰባት ዕስራ ማእከላይ መጠን ዘለዎም ሰባት ክውሕጥ ይኽእል ነይሩ እዩ በሉ።
ትምህርቲ
ንጸገማት ዮናስ ንምውጋድ፣ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ጽናሕ።
ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዓወት የለን፤ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ውድቀት የለን።






