«ሽዑ [ንሳቶም] ንኢየሱስ ወሰድዎ።» (ዮሃንስ 18:12) እዚ ቓላት እዚ ንምርዳእ ይኸብድ። ፍጥራቱ «ንኢየሱስ ወሰድዎ» እሞ ኣሰርዎ (ዮሃንስ 18:12)። ጲላጦስ «ንኢየሱስ ወሰዶ» እሞ ገረፎ (19:1)፤ ሊቃውንቲ ኻህናት «ንኢየሱስ ወሰድዎ» ምእንቲ ኺሰቕልዎ (19:16)።
ድሕሪኡ፡ ብለውሃት ድምጺ፡ ዮሴፍ ዘኣርማትያስ «ስጋ ኢየሱስ» ካብ መስቀል ከም ዝወሰደ (19:38)፡ ድሕሪኡ፡ ምስ ኒቆዲሞስ፡ «ስጋ ኢየሱስ» ንምቕባር ከም ዘዳለዉ (19:40) ነንብብ።
ኢየሱስ ኣብዚ ኹሉ መስርሕ እዚ ተገብሮ ዚመስል ይኸውን። ግን እዚ ኹሉ «ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም» እዩ እተገብረ (ዮሃንስ 19:24, 28, 36)።
ኣይትጋገ፡ ኢየሱስ ብምሉኡ ይቈጻጸር ነበረ። ዕላማኡ? ንሱ ንርእሱ ሓደ ነገር «ምውሳድ»፡ «እንሆ በጊዕ ኣምላኽ፡ ንሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ» (ዮሃንስ 1:29)።
ሓጢኣተይን ሓዘነይን ወሰደ፣ ናቱ ገበሮም፤ ጾር ናብ ቀራንዮ ጸረ፡ በይኑ ኸኣ ተሰቕለ፡ ሞተ።





