ካልኣይ ምጥቃስ ናይ “ሓደ ነገር” ዚብል ኣበሃህላ ኣብ ታሪኽ እቲ ዕውር ኰይኑ ዝተወልደ እሞ ብርሃን ዝረኸበ ሰብ ይርከብ። ጐይታ የሱስ ብተኣምር ከም ዝፈወሶ ንጹር እኳ እንተ ነበረ፡ ፈሪሳውያን ግና ነቲ ሓቂ ኺኣምኑ ኣይደለዩን። ተደጋጋሚ ሕቶኦም ነቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ዘይምእማን ገለጸ። ድሕሪ ኽልተ ቃለ መጠይቕ ምስቲ ሰብኣይ ባዕሉ፡ ኣብ መንጎኡ ድማ ምስ ወለዱ ሳልሳይ ቃለ መጠይቕ፡ ካብ ምኩራብ ኣውጺኦም ኣባረርዎ! ንላዕለ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ጐይታ ነጸጉ፡ ንምስክርነት እቲ ዕውር ሰብኣይ ኣቃልሉ፡ ንሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ለወጡ፡ ነቲ መርትዖ ድማ ብሓሳዊ ግምታት ኣብ ዝተመስረተ ኣረኣእያ ዓለም ተርጐምዎ። ዝተለምደ ይመስለኩምዶ? እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር ስለ ዘየለ እዩ፡ ንሕና ድማ ሎሚ ብተመሳሳሊ ዕውር ኣተሓሳስባ ብዝሓስቡ ተመራመርቲ ፍጥረት (evolutionists) ከምኡ እውን ንህልውና ኣምላኽ ብዝነጽጉ ሰባት ንርኢ።
ኣብዚ ቀዳማይ ደረጃ ናይ እምነቱ ጉዕዞ፡ እቲ ዕውር ሰብኣይ ንኹሉ ሕቶታት ፈሪሳውያን መልሲ ኣይነበሮን። ግናኸ ምስኦም ናብ ክርክር ወይ ምትእትታው ኣይኣተወን። ምስክርነቱ ንርእሱ ይዛረብ ነበረ! ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ዕውር እኳ እንተ ነበረ፡ ጐይታ የሱስ ብርሃን ከም ዝሃቦ እዩ።
“ሓደ ነገር እፈልጥ” ከም ዝበለ ኣስተብህል — “እሓስብ” ወይ “ይስምዓኒ” ኣይበለን። ብዛዕባኡ ጥርጣረ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ህይወቱ ዝመጸ ለውጢ ንጹር ነበረ! ስምዒታት ይመጹን ይኸዱን እዮም፡ ዘይተኣማመንቲ እዮም፡ ይዓርጉን ይወርዱን እዮም፡ ግናኸ ቃል ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብርን ይጸንሕን እዩ። ርግጽን ተኣማኒን ዘይቅየርን እዩ! ብርግጽነት ቃል ኣምላኽ ክንዕርፍ ንኽእል ኢና፡ ንድሕነትን ንሕጂ ኣብ ህይወትና ንዘሎ ምሕላዉን። “ንመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ እሞ፡ እቲ ዝኣመንኩዎ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል ተረዲኡኒ ኣሎ” (2 ጢሞ. 1:12)።





