ሕቶ:
ፋስጋ በጊዕ ሞት ክርስቶስ ከም ዚገልጽ ይርድኣኒ፡ ግናኸ እቶም መሪር ዕጸዋት እንታይ እዮም ዚገልጹ፧ ከተብርሃለይ ትኽእልዶ፧ ሓውካ፡ ፒ.ቢ.
መልሲ:
መልሲ ሕቶኻ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኬስተንትኖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
እቶም መሪር ዕጸዋት፡ ብጸጋ ናብ ነፍስና ዚመጽእ ርእሰ-ፍርዲ ይገልጹ፡ እዚ ድማ ንክርስቶስ ብሞቱ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተሰከሞ ፍርዲ ብምብላዕ ዚመጽእ እዩ። ኣብዚ ምምስሳል፡ ንሓጢኣትን ንርእስናን ከምቲ ኣምላኽ ዚርእዮም ኽንርእዮም ኪገብረና እዩ።
ስጋ ብሓዊ ምስ ተጠበሰ፡ እንጌራ ዘይበዅዐን መሪር ዕጸዋትን ምብላዕ የድሊ ነይሩ። እቲ ዘይበዅዐ እንጌራ፡ ካብ ብልሽውናን ትዕቢትን ስጋ ርሑቕ ክንከውን፡ ንሓጢኣት ክንጸልእ፡ ከምኡ ድማ ሓጢኣት ከይገብር (1 ዮሃንስ 2:1) የዘኻኽረና።
ኣብ ሞት ክርስቶስ፡ ሰብ ብስጋኡ ተፈሪዱ እዩ፡ ኣነ ድማ ከም ኣምላኽ ሓደ ዓይነት ምምስሳል ኪህልወኒን ንርእሰይ ብግብሪ ኽፈርድን ኣሎኒ (ሮሜ 8:18)።
ብመደምደምታ፡ ምሪርነት ናይ ርእሰ-ፍርዲ ተግባር እዩ ነይሩ (ዘሁልቍስ 5:17-25፡ ራእይ 10:9-10)። እቲ ንጐይታ የሱስ እተዋህበ ከርበ ኻብቲ ሓደ ቃል፡ መሪር፡ ዚመጽእ እዩ፡ እዚ ድማ ንስቓያዊ ፍቕሪ ክርስቶስ ይገልጽ፡ ከመይሲ ንሱ ንቅዱስ ፍርዲ ኣምላኽ ተሰኪምዎ እዩ።






