«ብመስዋእትን ብምቕራብን ኣይተሓጐስካን፡ ግናኸ እዝኒ ኸፊተለይ። ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን። ሽዑ ኸኣ፡ ‘እንሆ፡ መጺአ ኣሎኹ፤ ኣብ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎኒ፦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ኽገብር ባህ ይብለኒ፤ ሕግኻ ኣብ ልበይ ኣሎ።’»
መዝሙር 40:6–8
መዝሙር 40 ብትንቢታዊ መገዲ ብዛዕባ መሲሕ፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዚዛረብ፡ መዝሙር መሲሕ ተባሂሉ ይቑጸር። እዚ ኣብ እብራውያን 10:1, 4–7 ይረጋገጽ፦
«ሕጊ ንጽቡቕ ነገራት ዚመጽእ ጽላሎት እዩ እምበር፡ ነቲ ናይ ነገራት ምስሊ ባዕሉ ኣይኮነን እሞ፡ በዚ ዅሉ ዓመት ዓመት ብቐጻሊ ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣልን እዩ… ከመይሲ ደም ኣባጊዕን ኣጣልን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ፡ ናብ ዓለም ምስ መጸ፡ ከምዚ በለ፦ ‘መስዋእትን ምቕራብን ኣይደለኻን፡ ግናኸ ስጋ ኣዳልየለይ። ብምሕራርን ብመስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይተሓጐስካን። ሽዑ ኸኣ፡ «እንሆ፡ መጺአ ኣሎኹ— ኣብ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎኒ— ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር።»’»
ገሊኦም ትርጕማት ኣብ መዝሙር 40 ነቲ «ግናኸ ንስኻ» ዚብል ሓረግ ኣየጠቓልሉን፤ እንተዀነ ግን፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳንን መስዋእቲ ጐይታ የሱስን ዚገብሮ ፍልልይ ንኽንርኢ ይሕግዘና። እዚ ኣብ እብራውያን ከም እንብቦ ዝያዳ ንጹር ይኸውን፦ «ግናኸ ስጋ ኣዳልየለይ።»
ኣምላኽ ብመስዋእቲ ብሉይ ኪዳንን ምቕራብን ኣይተሓጐሰን፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር 40 ተገሊጹ ዘሎ፡ ከመይሲ እቶም መስዋእቲ ሓጢኣት ኬርሕቑ ኣይከኣሉን፡ ከምቲ ኣብ እብራውያን 10 ተገሊጹ ዘሎ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣቦ ንወዱ፡ ንጐይታ የሱስ፡ ስጋ ኣዳለወሉ። ኣብ መዝሙር 40 ከምዚ ኢልና ንብብ፦ «ግናኸ እዝኒ ኸፊተለይ»፡ እዚ ቃል ብቓሉ፡ «እዝኒ ሓፊርካለይ» ማለት እዩ። ኣቦ ንጐይታ የሱስ ስጋ ኣዳለወሉ፡ ምእንቲ ፍቓዱ ኺፍጽም። እብራውያን ከምዚ ኢሉ ይቕጽል፦
«በቲ ፍቓድ እቲ ኸኣ ብመስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተቐዲስና ኢና» (እብራውያን 10:10)።
ጐይታ የሱስ ናብ ዓለም ስለ ዝመጸ—ብምስሊ ሰብ መጺኡ፡ ግናኸ ብዘይ ሓጢኣት—ንሓጢኣት ፍጹም መስዋእቲ ኪኸውን ከኣለ፡ ንኣምላኽ ከኣ ጥዑም ሽታ ዘለዎ መስዋእቲ ዀነ (ኤፌሶን 5:1–2)። ብመስዋእቱ፡
«እዚ ሰብ እዚ ሓንቲ መስዋእቲ ንሓጢኣት ንዘለኣለሙ ምስ ኣቕረበ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ» (እብራውያን 10:12)።
መርከብ ንሎሚ
መዝሙር 40 ብዛዕባ ስጋዌ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ይነግረና። ኣምላኽ ንብሩኽ መድሓኒና ስጋ ስለ ዘዳለወሉ ክሳዕ ክንደይ ኢና ነመስግን!





