ምጽራይ ህዝቢ
«ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ከኣ ቅድሚ ፋሲካ ርእሶም ኬንጽሁ ናብ የሩሳሌም ካብ ገጠር ደየቡ።» — ዮሃንስ 11:55 KJV
«እቲ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ርእሱ ምእንታና ሀበ፡ ምእንቲ ኻብ ኵሉ ዓመጻ ኺብጀየናን ንርእሱ ቕንዕና ዚቐናእ ፍሉይ ህዝቢ ኺገብረናን።» — ቲቶስ 2:13-14
ክንደይ ፍልልይ ዘለዎም እዞም ክልተ ፍቕድታት! ኣብቲ ቐዳማይ ፍቕዲ፡ ህዝቢ ንርእሶም ኬንጽሁ ኸም ዝፈተኑ ንርኢ። ኣብቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ንርእሱ ህዝቢ ኺብጅየሉን ኬንጽሃሉን ርእሱ ዝሃበ መድሓኒ ንርኢ። ነዚ ፍልልይ እዚን ሎሚ ንዓና ብኸመይ ከም ዚምልከትናን እስከ ንመርምር።
ርእስና ኸነንጽህ ንኽእልዶ፧
ኣብ ዮሃንስ 11:55፡ በዓል ፋሲካ ኸም ዝቐረበ ንርኢ። እዚ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣይሁዳዊ ኣቈጻጽራ ኣዝዮም ኣገደስቲ በዓላት እዩ ነይሩ። ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ፡ ኵሎም ተባዕትዮ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኪርከቡ ዚግባእሉ ሓደ ኻብቶም ግዜያት እዩ ነይሩ (ዘዳግም 16:2-3,16)። እዚ በዓል እዚ፡ እግዚአብሔር ብደም ገንሸል ገይሩ ኻብቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ፍርዲ ብምድሓን ዝገበሮ ነገር መዘከርታ እዩ ነይሩ (ዘጸኣት 12)። ናብቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ — ክርስቶስ ባዕሉ (1 ቈረንቶስ 5:7) —ን ናብቲ ዜምጽኦ ምድሓንን እውን ይጥምት ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ ዘሎ ሓሳብ፡ ብዙሓት ሰባት ቅድሚ በዓል ርእሶም ኬንጽሁ ኢሎም ቀደም ናብ የሩሳሌም ከም ዝደየቡ ንርኢ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዜድሊ ዝነበረ፡ ግዳማዊን ስርዓታውን ምጽራይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሽጣዊ ምጽራይ ምዃኑ ተረዲኦምዎዶ ነይሮም፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል የዘኻኽረና፡ «እግዚአብሔር ከምቲ ሰብ ዚርኢ ኣይርእን እዩ እሞ፡ ሰብ ናብ ግዳማዊ ትርኢት ይጥምት፡ እግዚአብሔር ግና ናብ ልቢ ይጥምት» (1 ሳሙኤል 16:7)።
ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ልቡ ኼንጽህ ዚኽእል መን እዩ፧ ገሊኦም እቶም ናብ የሩሳሌም ንበዓል ዝደየቡ፡ ንኣምላኽ ቅቡላት ምዃኖም ሓሲቦም ይዀኑ። ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት፡ «ንሕና ስነ-ምግባራዊ፡ ቅኑዕን ጽፉፍን ህይወት ንነብር ኢና» ኢሎም ንርእሶም ይነግሩ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ናብ ጎረቤቶም እናጠመቱ፡ «ኣነ ኻብኡ ዝሓሽኩ እየ» ይብሉ ይዀኑ። ቃል ኣምላኽ ግና፡ ኵሉ ጽድቅና፡ ማለት ንኣምላኽ ቅቡላት ንምዃን እንእመነሎም ኵሎም ጽቡቕ ነገራት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ርኹስ ጨርቂ ጥራይ ምዃኖም ይነግረና (ኢሳይያስ 64:6)።
ካልኦት ከኣ፡ «እወ፡ ኣነ ፍጹም ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ኵሉ ሃይማኖታዊ ስርዓታት እሕሉ እየ። እመጽእ እየን ኵሉ ቅኑዕ ቃላት እብል እየ። ኣምላኽ ብርግጽ ኪቕበለኒ እዩ!» ኢሎም ይዀኑ። ብዙሓት ሰባት ሎሚ እውን በዚ ይኣምኑ። ቃል ኣምላኽ ግና እንታይ ይብል፧ እንደገና፡ ኣምላኽ ናብ ልቢ ሰብ ይጥምት እሞ፡ «እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ» ይብል (ማርቆስ 7:6፤ ኢሳይያስ 29:13 ርአ)።
ቃል ኣምላኽ፡ ንሓሳባትና ኸም ዚፈልጥ (ህዝቅኤል 11:5)፡ ንልብና ኸም ዚፈልጥ (ኤርምያስ 17:9-10) ይነግረና። ንቕዱስ ኣምላኽ ኸነታልሎ ኣይንኽእልን ኢና። እሞ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹህ ልቢ ብኸመይ ክህልወና ይኽእል፧
ጐይታ የሱስ ንልብና ኼንጽህ ይኽእል እዩ!
ርእስና ኸነንጽህ ስለ ዘይንኽእል፡ እዚ ንዓና ኺገብረልና ዚኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ ብጸጋ ኣምላኽ ኣሎ!
ኣብ መጀመርታ ዮሃንስ 12፡ ጐይታ የሱስ እውን ቅድሚ በዓል ፋሲካ ሽዱሽተ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ከም ዝደየበ ንረክብ። ግናኸ፡ ካብቶም ካልኦት ሰባት ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ! ንርእሱ ኼንጽህ ዘይኰነስ፡ ኪምለኽ ኢሉ እዩ ቀደም ዝደየበ (ዮሃንስ 12:3)! ሓጢኣት ኣይነበሮን (1 ዮሃንስ 3:5)፡ ቅዱስ፡ ንጹህን ዘይረኸሰን እዩ ነይሩ (እብራውያን 7:26)። ንርእሱ ኼንጽህ ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ኼንጽህ እዩ ዝመጸ (ቲቶስ 2:14)፡ ንሓጢኣቶም ኪመውት ናብ መስቀል ብምኻድ!
ጐይታ የሱስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኬንጽሃናን ንጹሃት ኪገብረናን ዚኽእል እንኮ እዩ። ግናኸ፡ እዚ ንርእስና ንምቕባል፡ ንሱ ኣብ መስቀል ቦታና ኸም ዝወሰደ፡ ሓጢኣትና ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ኸም ዝጸረ (1 ጴጥሮስ 2:24)፡ ንሕና ዚግብኣና ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝተዓገሰ ኽንኣምን ኣሎና። ጐይታ የሱስ ህይወቱ ሃበን ክቡር ደሙ ኣፍሰሰን እዚ ኺኸውን። ከምዚ ኸም ዝተጻሕፈ ንረክብ፡ «ወዲ ኣምላኽ፡ ንሱ ኣፍቀረኒን ምእንታይ ርእሱ ሀበን» (ገላትያ 2:20)፡ ከምኡ እውን፡ «ደም የሱስ ክርስቶስ ወዲ [ኣምላኽ] ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና» (1 ዮሃንስ 1:7)።
ንዝኣምኑሉ፡ ጐይታ የሱስ ከምቲ ንዝኣምኑ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ምድሪ ዝበሎም ኪብሎም ይኽእል እዩ፡ «ብምሉእ ንጹሃት ኢኹም» (ዮሃንስ 13:10 JND)፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ሓንቲ እኳ ነጥቢ ኣይትተርፍን! «ንዑ ሕጂ፡ ንመሓየሽ ንዘራረብ፡ ይብል እግዚአብሔር፡ ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ክዳን እንተ ዀነ እኳ፡ ከም በረድ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ። ከም ቀይሕ ሓምራዊ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ» (ኢሳይያስ 1:18 KJV)።
ምላሽና፡ ንጽቡቕ ግብሪ ቕንዕና
ቲቶስ 2:14 ይነግረና፡ ጽቡቕ ግብሪ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኬድሕነና ወይ ኬንጽሃና ዘይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓንሳእ ብጐይታ የሱስ ምስ ኣመንናን ኣብኡን ኣብቲ ንሱ ጥራይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬንጽሃና ዚኽእል ግብሩ ምስ ተኣመንናን፡ ብ«ጽቡቕ ግብሪ ቕንዕና» ኣመስጋንነትና ኸነርኢ ይደሊ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ኣብነት ገሊኦም ዝነጽሁ ለምጻማት እስከ ንርአ። ንርእሶም ኬንጽሁ ዚኽእልዎ ምንም ነገር ኣይነበሮምን። ረዳእ ዘይብሎም ነይሮም። ጐይታ የሱስ ግና መጸን ኣንጽሆምን። ኣብ ሉቃስ፡ ሓደ ለምጻም ካብቶም ኣብቲ ሓደ ግዜ ዝሓወዩ ዓሰርተ፡ ብምላሽ መጺኡ ኣብ እግሪ ጐይታ የሱስ ከም ዝወደቐን ኣመስጊንዎ ኸም ዝነበረን ንረክብ (17:16)። ስለዚ፡ ኣምልኾና ንጐይታ ዜሐጕስ ሓደ ኻብቲ ጽቡቕ ግብሪ ምዃኑ ንርኢ።
ኣብ ማርቆስ፡ ብዛዕባ ሓደ ኻልእ ለምጻም፡ ጐይታ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረሉ ንዝፈልጦ ኵሉ ኸይዱ ኸም ዝነገረ ንረክብ (1:45)። እዚ ንጐይታ ዜሐጕስ ሓደ ኻልእ ጽቡቕ ግብሪ እዩ። ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንጹሃት እንተ ተገይርና፡ ነቲ ዝገበሮ እናኣመስገንና፡ ከነምልኾን ከነገልግሎን ይግባእ። ከምቲ ንሱ ንለምጻማት ኬንጽህን ከምኡ ዝበለ ሓጐስ ኣብ ህይወቶም ኪፈጥርን ዚኽእል እንኮ ዝነበረ፡ ጐይታ የሱስ ጥራይ እዩ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኬንጽሃና ዚኽእል።
ክቡር ኣንባቢ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኬንጽሃካ ንመን ኢኻ እትእመን፧





