ብዙሓት ክርስትያናት ንርእሶም ዝሓትዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ፡ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ትረክብ? ብትጋህ ክትጽሊ ኣሎካ ድዩ? ክትሰርሓሉ ኣሎካ ድዩ? ወይስ ሓደ ሰብ ኢዱ ኼንብረልካ ኽትሓትት ኣሎካ ድዩ? ከመይ ጌሩ እዩ ዝሰርሕ?
ቃል ኣምላኽ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ንጹር መልሲ ይህበና።
ኣብ ኤፌሶን 1:13 ብዛዕባ ክርስቶስ ከምዚ ይብል፡
ቃል ሓቂ፡ ወንጌል ምድሓንኩም ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ኸኣ ምስ ኣመንኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ማሕተም ተገብረልኩም። (ኤፌሶን 1:13) ኣብዚ ጳውሎስ፡ ወንጌል - ክርስቶስ ንሓጢኣትና ኣብ መስቀል ከም ምትካእ ሞይቱ ምዃኑ - ምስ ኣመንና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ማሕተም ከም ዝተገብረልና ኣዝዩ ንጹር ገይሩ ይገልጽ።
ብመንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሓንና ማሕተሙ የንብር፡ ከምኡ ኸኣ፡ «ሕጂ ናተይ ኢኹም - ከም መርኣያ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እህበኩም - ክሳዕ መዓልቲ ምድሓን»፡ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 4:30 ዝጸሓፎ። ብእምነት ብወንጌል መንፈስ ቅዱስ ትረክብ። እዚ ናይ ኣምላኽ ተስፋ እዩ! መለኮታዊ ሰብኣይ ኣብ ውሽጥና ኺነብር፡ ኬጸናንዓናን ደጋጊሙ ናብ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ ኼመልክተናን ክንደይ ዝዓበየ ጸጋ እዩ!





