“ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ…ብቝስሉ ድማ ሓዌና” (ኢሳይያስ 53:5)። ሓደ ጉጅለ ፈለምቲ ብጋሪት ናብ ምዕራብ ይጓዓዙ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ርሑቕ ንነዊሕ መስመር ትኪን ሃልሃልታን ንማይላት ኣብ ምድረበዳ ተዘርጊሑ ምስ ረኣዩ ደንጸዎም። እቲ ደረቕ ሳዕሪ ሓዊ ሒዝዎ ነይሩ፡ እቲ ሃልሃልታ ድማ ብቕልጡፍ ናብኦም ይቕርብ ነበረ። እቲ ቅድሚ መዓልቲ ዝሰገርዎ ሩባ ኣይጠቕሞምን ነይሩ፡ ከመይሲ ብግዜኡ ናብኡ ክምለሱ ኣይክእሉን ነበሩ። ሓደ ሰብኣይ ግና እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ። ነቲ ድሕሪኦም ዝነበረ ሳዕሪ ሓዊ ከም ዝሕዞ ኣዘዘ። ድሕሪኡ፡ እቲ መሬት ምስ ሓወየ፡ እቲ ኩሉ ጉጅለ ናብኡ ተመልሰ። እቶም ሰባት እቲ ሃልሃልታ ናብኦም እናተጓየየ ብፍርሒ ይዕዘቡ ነበሩ። ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ብፍርሒ ጮኸት፡
“ኣይንቃጸልን ኢናዶ?” እቲ መራሒ ድማ መለሰ፡
“ወደይ፡ ብፍጹም ድሑናት ኢና፡ ኣብዚ ዝጎድኣና የለን፡ ከመይሲ ኣብቲ እቲ ሃልሃልታ ስርሑ ዝፈጸመሉ ዝተቓጸለ ቦታ ኢና ደው ኢልና ዘለና።” እቲ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ቍጥዓ ንሓጢኣት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ መስቀል ዝሞተሉ መዓልቲ ወረደ። ናይ ባዕሉ ቃላት፡ “ተፈጺሙ”፡ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብር ድማ ንሓጢኣትና ምሉእ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ዘየጠራጥር መርትዖ ይህበና።
ብኣፍካ ንጐይታ የሱስ እንተተኣመንካ፡ ብልብኻ ድማ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ (ሮሜ 10:9)።
ፍቑር ዓርከይ፡ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንካ፡ ንሞትን ነቲ ዝስዕብ ፍርድን ክትፈርህ ኣየድልየካን። ብቦታኻ ሕጂ ብድሕንነት “ኣብ ሰማያዊ ቦታታት ኣብ ክርስቶስ የሱስ” ተቐሚጥካ ኣሎኻ (ኤፌሶን 2:6)፡ ከመይሲ ብእምነት ኣብቲ “ዝተቓጸለ ቦታ” ጎልጎታ ተዓቚብካ ኣሎኻ። እቲ ሓዊ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ክትንክፈካ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ንሓጢኣትካ ኽልተ ግዜ ክፍሊት ኣይሓትትን እዩ። እዚ ምጽንናዕካ ይኹን፤ “እቲ ሓዊ ዝነበረሉ” ኣብ ድሕንነት ደው ኢልካ ኣሎኻ።






