ንኣምላኽ ብዝኾነ ዓቐን ዓወት ንምግልጋልን ንግብሪ ኣምላኽ ብጽቡቕን ብዓወትን ንምፍጻምን ሓደ ብቕዓት፡ ናይ ባዕልና ድኻም ምግንዛብ እዩ። ተዋጋኢ ኣምላኽ ብዝተሰለመ ርእሲን ብዝተዓጠቐ መዓንጣን፡ ብባዕሉ ግርማ ሓያል ኮይኑ ናብ ውግእ ኪኸይድ ከሎ — «ክስዕር እየ፡ ናተይ የማናይ ኢድን ሓያል ሰይፈይን ንዓይ ዓወት ኬምጽኣለይ እዩ» ኪብል ከሎ፡ ስዕረት ኣይርሑቕን እዩ። ኣምላኽ ምስቲ ብባዕሉ ሓይሊ ዚኸይድ ሰብ ኣይከይድን እዩ።
«ብሓይሊ ኣይኮነን፡ ብብርታዐ’ውን ኣይኮነን፡ ብመንፈሰይ ግና እዩ፡ ይብል እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት» (ዘካርያስ 4:6)።





