ብቴክኒካዊ ትርጉም እቲ ቓል ሰበኽቲ ዘይኮኑ: ግናኸ ንሓቂ ክርስቶስ መሰኻኽር ኪኾኑ እተጸውዑ — ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ድማ ናብዚ ተጸዊዑ እዩ — ካብ ተመክሮ እቶም ኣምላኽ ብፍሉይ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝተጠቕመሎም ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ።
ሉተር ክሳዕ መወዳእታ ናብ መድረኽ ኪድይብ ከሎ ኣጕልባቱ ኺጋጮ ይስምዖ ነበረ። ቡንያን ኪሰብኽ ኪኸይድ ከሎ: ብሓድሽ ድኻምን ሓይሊ-ኣልቦነትን ይሕዝ ነበረ: ስለዚ ናብቲ እተመደበ ቦታ ርእሱ ኺስሕብ ኣጸጋሚ ይኸውን ነበረ።
ስፐርጅን ብዛዕባ ጾር ጐይታ «ሓድሓደ ግዜ ንዅሉ ሰብነተይ ኣብ ሓመድ ትሕትና ዜድቅስ ጾር» ኢሉ ተዛሪቡ።
ዊልያም በርንስ ካብ ቻይና ንመጀመርታ ግዜኡ ምስ ተመልሰ: ንቻይናውያን ኪዛረብ ከሎ እንታይ ስምዒታት ከም ዝነበሮ ምስ ተሓተ: «ማዳም: እቶም ዝጠፍኡ: ንኣታቶም ድማ ክርስቶስ» ኢሉ መለሰ።
ብዛዕባ ሪቻርድ ባክስተር «ንነፍሳት ንክርስቶስ ምዕዋት ጥራይ እዩ እቲ ንሱ ዝነበረሉ ዕላማ» ተባሂሉ ተነጊሩ።
እዚ ናይ ዘይርአ ነገራት ዓብይነት ስምዒት: ናይ ዝኾነ ስጋዊ ጥበብ ወይ ሓይሊ ፍጹም ዘይምጥቃም: እዚ ንብዙሓት ምሕረትን ንምልኣት ክርስቶስ ምግምጋምን; እዚ ናይ መለኮታዊ ሓይሊ ፍጹም ኣድላይነት ስምዒት: ንኣገልጋሊ ፍርያም ዚገብር: ከምኡ’ውን ናይ ዚመጽእ በረኸት መብጽዓ እዩ።





