«ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ ክገብር እየ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።» (ዘፍጥረት 3:15)
ብዛዕባ ልደት ጐይታና የሱስ ክንሓስብ ከሎና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሉቃስ 2 ኢና እንሓስብ፡ ሽዑ መላእኽቲ ንሓለውቲ ኣባጊዕ ልደት ክርስቶስ ኣበሰርዎም። እቲ ብስራት ናይቲ ዚመጽእ መድሓኒ ግና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ እዩ ዚርከብ። እቲ ናይ ፈለማ ምፍላጥ ልደት ጐይታና የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገነት ኤድን እዩ ተነጊሩ።
ሓጢኣት ብ«ሓደ ሰብኣይ ዘይምእዛዝ» ናብ ዓለም ምስ ኣተወ፡ «ሞት ድማ ብሓጢኣት»፡ በዚ ኸኣ «ሞት ናብ ኵሎም ሰባት በጽሐ፡ ኵሎም ስለ ዝበደሉ» (ሮሜ 5:12)፡ እዚ ዅሉ ንኣምላኽ ኣየገረሞን። ብሓቂ፡ ንሱ ነቲ ናይ ምድሓን ትልሚ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ኣዳልይዎ ነበረ። ገና ሓጢኣት ምስ ኣተወ—ንደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኣርሓቖም—ቃል ኣተወ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ጥቕስና ይርከብ፡ ንመከራ ክርስቶስ ኣብ መስቀል («ንስኻ ኸኣ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ») ከምኡ’ውን ንናይ መወዳእታ ዓወት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን («ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ [ኺድምስስ] እዩ») ይገልጽ።
እዚ ቃል እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪሑ ይርከብ። ገላትያ 3:16 ከምዚ ይብለና፡ «እቲ ተስፋታት ግና ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተዋሂቡ። ‘ንዘርእታት’ ከም ብዙሓት ገይሩ ኣይኮነን ዚብል፡ የግዳስ ከም ሓደ ገይሩ፡ ‘ንዘርእኻ’፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ።» እዚ ቃል እዚ ብኢሳይያስ እንደገና ተዋሂቡ፡
«ስለዚ ጐይታ ባዕሉ ምልክት ኪህበኩም እዩ። እንሆ፡ ድንግል ክትጸንስን ወዲ ኽትወልድን እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።» (ኢሳይያስ 7:14) እቲ ስም ኣማኑኤል ካብ እብራይስጥ ቃላት ኢማኑ-ኤልይመጽእ፡ ትርጉሙ ኸኣ «ኣምላኽ ምሳና» ማለት እዩ።
እዚ ቃል እዚ እቲ መድሓኒ ዚውለደሉ ቦታ እውን የጠቓልል ነበረ፡
«ንስኺ ግና፡ ኦ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ ካብ ኣሽሓት ይሁዳ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀንኪ፡ ካባኺ ግና ንኣይ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ኪወጽኣለይ እዩ፡ ምውጻኡ ኸኣ ካብ ጥንቲ፡ ካብ ዘመናት ጥንቲ እዩ።» (ሚክያስ 5:2) እቲ ጥቕስና እቲ ዚመጽእ ክርስቶስ ንሰይጣን ከም ዚጭፍልቖ የዘኻኽረና—እዚ ኸኣ ኣብ ጎልጎታ እዩ ተፈጺሙ፡ ሽዑ ጐይታና የሱስ «ንሱ ንዘለዎ ስልጣን ሞት፡ ንሱ ኸኣ ድያብሎስ፡ ኣጥፍኤ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ህይወቶም ንባርነት ተገዚኦም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ኣውጽኤ» (እብራውያን 2:14–15)።
መርሕ ንሎሚ
ዕላማ ምምጻእ ክርስቶስ ናብ ዓለም ናብ መስቀል ምኻድ ነበረ—ዋጋ ሓጢኣት ንምኽፋል—ንስኻን ኣነን ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ።





