ኣብ ጐይታ እናዓበናን ብእኡ እናተጸመድናን፣ ፍቕርና ንጐይታ የሱስ ይዓቢ። ግናኸ ንራእይና ንዕኡ ኺዓግቱን ኪዓብሱን ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። እዚ ትንሳኤ ዝገልጽ ትርኢት ነቶም ራእይ ክርስቶስ ዝተዓገተ ልቢ መፍትሒ ይህብ።
ጐይታ ንማርያም ተራእያ፣ ግናኸ ቅድም መን ምዃኑ ኣይፈለጥቶን። ልባ ብሓዘን ከቢዱ፣ ብጭንቀት ተሰኪሙ፣ ብተስፋ ምቑራጽ እውን ክንብሎ እንኽእል ተዋሪዱ ነይሩ። ተስፋኣ ከም ዝጠፍአ ይረአ፣ ንሳ ድማ ትበኪ ነይራ! ኣብታ እዋን እቲኣ እዩ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ተራእይዋ። እዚ ልብኻ ዝትንክፍ ትርኢት ናይ ጐይታና ቀዳማይ ትንሳኤ ምግላጽ እዩ፣ ንማርያም ድማ እዩ፣ ንሳ ኸኣ ከቢድ ልቢ ነይርዋ! ብዙሕ ግዜ፣ ልብና ከቢድ ክኸውን ከሎ፣ ጐይታና ኣብ ግዜ ሽግር ኵሉ ግዜ ዘሎ ሓጋዚ ምዃኑ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ስማ ክሳዕ ዝጸውዓ እዩ ኣዒንታ ንሱ መን ምዃኑ ዝተኸፍታን ልባ ድማ ንዕኡ ኺጠብቕ ዝደለየን! ግናኸ ሓደ ሕቶ ተሓቲቱ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና ሎሚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ: «መን ኢኻ ትደሊ ዘሎኻ?»
መልሲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ኣብ ህይወትና ዘሸግሩና ጾራት ኬልዕል ይኽእል እዩ። ንሱ ከምቲ ዝተንስአ መድሓኒ፣ ፈጺሙ ከም ዘይሓድገና ወይ ከም ዘይጥንጥነና ዝተመባጽዐ፣ ሓድሽ ራእይ ምስ ረኸብና፣ ጐይታ ከምቲ ንማርያም ዝገበራ፣ ናብ ሓቂ ናይቲ ምሳኡን ምስ ኣቦናን ዘሎና ዕሙቕ ዝምድና ኬምጽኣና ይኽእል እዩ። ድምጹ ምስማዕ፣ ኣዒንትና ኻብ ኵሉ ነገርን ካብ ኵሉ ሰብን ምውጻእ፣ ኣብ ልብና ሓጐስን ባህታን ኬምጽእ እዩ፣ ኣብ ከቢድ ግዜያት እኳ። ንሱ ስለ ዝነብር፣ ጽባሕ ክንገጥም ንኽእል ኢና!





