እዚ ኣገዳሲ ትንቢት እዚ ኣብ ኣዝዩ ኸቢድ ኩነታት እዩ ተዋሂቡ። ንጉስ ኣሓዝ ሓደ ኻብቶም ዝኸፉኡ ነገስታት ይሁዳ እዩ ነይሩ። ነገስታት እቶም ጎረባብቲ ሃገራት እስራኤልን ሶርያን ንይሁዳ ንምውጋእን ንኣሓዝ ከም ንጉስ ንምቕያርን ተሓባቢሮም ነበሩ። ኣምላኽ ንኢሳይያስ ንወዱ ምስኡ ሒዙ ንኣሓዝ ኪረኽቦን ነዞም ክልተ ነገስታትን ንትልምታቶምን ከይፈርህ ኪነግሮን ኣዘዞ። ኣሓዝ ወዲ እቲ ኣምላኽ ዘርኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኺገዝእ ከም ዝተመባጽዓሉ እሙን ንጉስ ዳዊት እዩ ነይሩ። ኣሓዝ እሙን እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣምላኽ ግና ንቓሉ ኩሉ ግዜ እሙን እዩ። እዞም ነገስታትን ሃገራቶምን ብቕጽበት ንኣሶራውያን ኪወድቑ እዮም።
እንተዀነ ግን፡ ኣምላኽ ብዘደንቕ መገዱ፡ እዚ ግዜ እዚ መሪጹ፡ እታ ድንግል፡ እታ ፍሉይ ዝመረጻ፡ ወዲ ኸም እትጸንስን ከም እትወልድን ኪገልጽ፡ እቲ ወዲ ድማ ኢማኑኤል – ኣምላኽ ምሳና – ኪበሃል እዩ! እቲ ክፉእ ኣሓዝ ንኣሶራውያን ተገዛኢ ዀነ፡ ንንጉሶም ኪረክብ ናብ ደማስቆ ኸደ። ኣብኡ ሓደ መሰውኢ ረኣየ፡ ንኣገባቡ ድማ ናብ ኡርያ እቲ ኻህን ለኣኸ፡ ንሱ ድማ ከምኡ ኺገብር። ነቲ ናይ ነሓስ መሰውኢ ምድሓር ብሓድሽ ቀየሮ፡ ባዕሉ ድማ መስዋእቲ ኣቕረበሉ።
ኣምላኽ ነዚ ክፉእ ንጉስ እዚ እዚ ኽቡር ሓቂ፡ ወዱ ብድንግል ከም ዚውለድ፡ ምግላጹ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ እዩ! ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ የሱስ፡ ኢማኑኤል፡ ኣብ ቃሉ ብዙሕ ሓቂ ገሊጹ እዩ። እንደገና፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ልደት የሱስ ይፈልጡ፡ ምናልባት እውን የኽብርዎ፡ እንተዀነ ግን፡ ብሓጥእ ኣገባቦም ይቕጽሉ። ንየሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ ኣምላኽ፡ ከም መድሓኒኻ ተቐቢልካዮ ዲኻ፧ እንተ ዘይኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ግበር!





