ትንሳኤ ክርስቶስ መሰረት ክርስትና እዩ። ብዘይኡ፡ ኹሉ ነገር ብኸንቱ ይግበርን ይእመንን (1 ቈረንቶስ 15:12-19)። ኹላትና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንርኢን ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሓቅታትን በረኸታትን ክንመሃርን ይጠቅም።
ብፍላይ፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:3-4 ብዛዕባ እዚ ንመሃር፡
- ሞት ክርስቶስ - ንሱ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሊኡ ወሲዱ።
- ቕብሪ ክርስቶስ - ንሓጢኣትና፡ ንኣምላኽ ዘጕሂ ዝነበረ፡ ኣርሒቕዎ እዩ፡ ሕጂ ድማ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። (መዝሙር 103:12፡ ኤርምያስ 50:20)
- ትንሳኤ ክርስቶስ - ምትንሳኡ ንስራሕ ክርስቶስ ምጽዳቕ ኣምላኽ ይገልጽ።
- ስለዚ ናብ ጥቕሲ 17 ክትመጽእ ከለኻ፡ ኣምላኽ ብስራሕ ክርስቶስ እንተ ዘይተሓጒሱ፡ በዚ ድማ እንተ ዘየተንስኦ፡ ሽዑ ኣብ ሓጢኣትና ኴንና ክንተርፍ ኣሎና፡ ምኽንያቱ ሞቱን ቕብሩን ብኸንቱ እዩ ነይሩ።
እዚ ሓሳብ እዚ ርሑቕ ይኹን! (ኤፌሶን 1:20-23)።






